ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ዘጋጠመ ግጭት ዶብ መን ጀመሮ ኣብ ዝብል ሕጂውን ይካሰሳ ኣለዋ


ኢትዮጵያን ኤርትራን ብቕድሚ ትማሊ ሰንበትን ትማሊ ሰኑይን​ ን​ዘጋጠመ ግጭት ዶብ መን ጀመሮ ኣብ ዝብል ነንሕድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።ኣብ ከባቢ ናይ ኤርትራ ከተማ ፆሮና ዝተኻየደ ውግእ ክልቲኦም ወገናት ልዕልነት ናተይ እዩ ይብሉ ኣለው።

ኤርትራ ንናይ ኢትዮጵያ መጥቓዕቲ ከቢድ ሞት ብምብፃሕ መሊሰዮ ኣለኹ ኢላ’ላ፤ኢትዮጵያ ብወገና ሓይልታታ ወታደራዊ ሓይሊ ኤርትራ ካሊእ መጥቓዕቲ ከምዘይፍፅም ገይረ ብኸቢድ ኣዳኺመዮ ኣለኹ ትብል።

ክንደይ ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ክልቲኦም ወገናት ዝርዝር መብርሂ ኣይሃቡን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጋዜጠኛታት መግለፂ ዝሃቡ ምንስቴር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ጌታቸው ረዳ እቲ ውግእ ትማሊ ሰኑይ ፍርቂ መዓልቲ ጠጠው ከምዝበለ ብምግላፅ: ሓይልታት ኢትዮጵያ ዕላምኦም ምስ ኣዐወቱ ካብቲ ናይ ግጭት ቦታ ወፂኦም ኣለው ኢሎም።

ኤርትራ ነቲ ወታደራዊ መጥቓዕቲ ኢትዮጵያ ኢላ ዝፀውዐቶ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ክኹንኖ ተሓትት ኣላ። "ቤት ምኽሪ ፀጥታ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ ኣብቲ ጉዳይ ንክዘራረበሉ ጥርዓን ኣቕሪብና ኣለና።’’ ዝበሉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል "ትንኣስ ትዕበ ዝኾነት ናይ ዓለም ሃገር ንልኡላዊ ግዝኣት ካልእ ሃገር ናይ ምውራር መሰል የብላን፤ኢትዮጵያዊያን ነዚ እዮም ፈፂሞም፤ጠጠው ከብሉዎ ኣለዎ’’ኢሎም።

ክልቲኦም መንግስታት ኣቓልቦ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፖለቲካዊ ሽግራትን ውሽጣዊ ተቓውሞን ኣቓልቦ ንምስሓት ዝጀመርዎ ውግእ እዩ ክብሉ ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ፅባሕ ኣብ ብራሰልስ ከምዝራኸቡ ወሃቢ ቃል ሕቡራት መንግስታት ስቴፋን ዱጃሪች ሎሚ ሰሉስ ገሊፆም ኣለው።

እቲ ናይ ምርኻብ መደብ: ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ቅድሚ ምልዓሉ ዝተተሓዘ መደብ እንተኾነ እውን: ኣብቲ ኣጋጣሚ ነቲ ጉዳይ ከልዕልዎ ምዃኖም ተፈሊጡሎ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ዘጋጠመ ግጭት ዶብ መን ጀመሮ ኣብ ዝብል ሕጂውን ይካሰሳ ኣለዋ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00

XS
SM
MD
LG