ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኢትዮዽያን ግብፅን ተዘራሪቦም


ቀ/ሚ ሃይለማርያምን ፕ. ኣል ሲሲን
ቀ/ሚ ሃይለማርያምን ፕ. ኣል ሲሲን

ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝገየሹ መራሕቲ ኢትዮዽያን ግብፅን ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡ ተገሊፁ።

ኣማኻሪ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ-መጠይቅ፣ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴን ካልኦት ኣጀንዳታትን ሰፊሕ ልዝብ ኣካይዶም፣እንተኾነ ዝተበፅሐ ሓድሽ ስምምዕነት የለን።ክልቲኦም ወገናት፣ሪኢቶ ናይ‘ቲ ካልእ ወገን ንምስማዕ ኪኢሎም‘ምበር ዝበፅሕዎ ስምምዕነት የለን ኢሎም።

ኣብ ጉዳይ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ሓድሽ ሓባራዊ ኮሚቴ ምቋም ዝብል ዝተበፅሐ ስምምዕነት‘ውን የለን ኢሎም ኣቶ ጌታቸው ረዳ።እቲ ኣጀንዳ ተላዒሉ ነይሩ ዝበሉ እቶም ኣማኻሪ ቀ/ሚ፣ግብፂ ናብ‘ቲ ዝተሓሰመቶ ኣኼባ ሰለስተ ሃገራት(ኢትዮዽያ፣ ሱዳን፣ግብፂ) ንክትምለስ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ጠቂሶም።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ኣኼባ ሰለስተ ሃገራት ክጅምር ኣለዎ ዝብል መርገፂ ከምዘንፀባረቁ‘ውን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG