ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንኩሎም ፈጸምቲ 'ገበንን በደልን' ምሕረት ዝህብ ሓድሽ ሕጊ ኢትዮጵያ ሎሚ ጸዲቑ


ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፓርላማ ኢትዮጵያ

‘ኣብ’ቲ ሓድሽ ሕጊ ዝተዘርዘሩ ገበናት ዝፈጸሙ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትትን ብሕጊ ንከይሕተቱን ናብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ተመሊሶም ግቡኦም ንክፍጽሙን ዕድል ክዋሃቦም’ዩ'።

ብዘይካ’ዚ ብምኽንያት ዝነበሮም ፖለቲካዊ ተሳትፎ ብገበን ክንሕተት ኢና ኢሎም ሰጊኦም ኣብ ወጻኢ ተሰዲዶም ንክነብሩ ዝተገደዱ ኢትዮጵያዊያን ብምሕረት ናብ ዓዶም ንክምለሱ ባይታ ኣጣጢሑሎም ኣሎ እቲ ሕጊ።

እቲ ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ኣብ ሙግት ቤት ፍርዲ ዘለው፣ ተበይንዎም ዝተኣሰሩ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ብሙልኦም ምሕረት ንክዋሃቦም ዘኽእል’ዩ።

ኣካቢ ኮሚቴ ሕግን ፍትሒን’ቲ ቤት ምኽሪ ኣቶ ጴጥሮስ ወልደሰንበት ‘ኣብ መስርሕ ምጽራይ ዘለው፣ ዝተኸሰሱ፣ ተበይንዎም ዝተኣሰሩ፣ ገና ዘይተታሓዙ ውልቀ-ሰባትን ግጅለታትን፣ ዝሓለፈ ገበኖምን ጥፍኣቶምን ብወገን መንግስቲ ፈጺሙ ከምዘይተፈጸመ ዝራኣየሉ ኣገባብ’ዩ’ ኢሎም።

እንተኾነ ድሕሪ 30 ግንቦት 2010 ንዝፍጸም በደላትን ገበናትን ምሕረት ንምርካብ ሓጋዚ ኣይኾንን’ዩ እቲ ናይ ሎሚ ሕጊ። ብዘይካ’ዚ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን በዚ ሕጊ’ዚ ተረባሕቲ ክኾኑ እንተደልዮም ኣብ’ዘን ዝቕጽላ 6 ኣዋርሕ ግብረ-መልሲ ክህቡሉ ከምዝግባእ ተጠቒሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG