ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ኢትዮጵያ ምስ ኣሚሶም ምፅምባሮም ትኽክለኛ ስጉምቲ ኣይኮነን ይብሉ ዴቪድ ሺን


Former Ambassador Calls Al-Shabab Attack in Mogadishu Abhorrent
Former Ambassador Calls Al-Shabab Attack in Mogadishu Abhorrent
ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሱማሊያ ምስዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ /AMISOM ብወግዒ ምፅምባሮም ኣል-ሸባብ ዳግም ነብሲ ንኽዘርእ ዕድል ክኸፍት ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ከምዘለዎም ኣብቲ ከባቢ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎም ኣምባሳደር ዴቪድ ሺን ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊፆም።

ኣብ ሱማሊያ ክሳብ ሎሚ ዓቀብቲ ሰላም ዘዋፈራ ሃገራት ኡጋንዳ፣ብሩንዲ፣ኬንያ፣ጁቡትን ሴራሊዮንን እየን ነይረን።ኢትዮጵያ ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ ወታደራት ብምውፋር ሻድሸይቲ ሃገር ኣባል ኣሚሶም ክትኸውን እያ።ኣብታ ሃገር ዝህልው በዝሒ ወታደራት ኣሚሶም ድማ ናብ 22 ሽሕ ሓፍ ክብል እዩ።

ኣባል ኣሚሶም ዝኾኑ ወታደራት ኢትዮጵያ ክዋፈርሉ ተባሂሎም ትፅቢት ዝግበር ኣል-ሸባብ ሱር ኣብ ዝሰደደሎም ወይ ድማ ፅኑዕ ትሕዝቶታቱ እዮም ናብዝተብሃሉ ክፍለ ግዝኣታት ጌዶ፣በይን ባኩሉን እዮም።

ወታደራት ኢትዮጵያ ናብዞም ከባቢታት እዚኦም ምእታዎም ንሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ /ኣሚሶም/ ዓብዪ ሓይሊ ክፈጥረሉ እዩ ተባሂሉ’ሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኣምባሳደር ዝነበሩን ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጆርጅ ዋሽንግተን መምህር ዓለምለኸ ርክባትን ዝኾኑ ዴቪድ ሽን ግን ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሱማሊያ ዳግም ምውፋሮም ትኽእክለኛ ስጉምቲ ኣይኮነን ይብሉ።’’ሓይልታት ኢትዮጵያ ካብ ከባቢ ዶብ ኢትዮጵያን ሱማሊያን ወፂኦም ናብ ውሽጢ ሱማሊያ ዝኣትው እንተኾይኖም ጌጋ እዩ ዝመስለኒ’’ኢሎም።

ኣል-ሸባብ ኣብቲ ካባቢ ካብ ዝርከቡ ሓይልታት ዝፍርሖ ንኢትዮጵያ ጥራሕ እዩ ዝብሉ ምህላዎም ብዝምልከት ወኪልና ጆ ዲ ካፕዋ ሕቶ ኣልዒሉሎም ክኸውን ከምዝኽእል ዝተዛረቡ ኣምባሳደር ሺን ካብቲ ዞባ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናይ ምውጋእ ልምድን ብቕዓትን ዘለዎም ሓይሊ ምዃኑ ገሊፆም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብዝተፈላልዩ እዋናት ናብ ግዝኣት ሱማሊያ እናተወንጨፈ መጥቓዕትታት ክፍፅም ምፅንሑ ምስ ሓበሩ ሎሚ ግን ኣካል ኣሚሶም ኮይኖም ኣብ ዝንቀሳቐስፕሉ እዋም ምስ ሞቓድሾ ዘራኽቦም ኩነት ክፍጠር ስለዝኽእል ኣሉታዊ መዘዝ ክህልዎ ይእኽል እዩ ኢሎም ከምዝኣምኑ ገሊፆም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:47 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG