ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘጋጠመ ግጭት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ነበርቲ ይገልጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሸዋሮቢትን ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማ ወልድያን ብዘጋጠመ ግጭት ሰባት ምሟቶም ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ ሸዋሮቢት ቅድሚ ትማሊን ትማሊ ሰንበትን ተዅሲ ደጊሱ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ ነበርቲ’ታ ኸተማ ክገልፁ ከለዉ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ ወረዳ ጉባላፍቶ ኸኣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ኣቶ ገብሬ ገበያው ከም ዝሞቱ ተገሊፁ’ሎ።

ኣብ ሸዋሮቢት ንዝሞቱ ሰባት ብዝምልከት ካብ መንግስታዊ ኾነ ትካላት ሕክምና ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ዞባ ሰሜን ወሎ ግን ሞት ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ወረዳ ጉባላፍቶ ኣብ ማሕበራዊ ገፁ ብምርግጋጽ ምኽንያት ሞቶም ግን ኣይገለፀን። ነበርቲ’ታ ከተማ ግን መንነቶም ብዘይተፈልጠ ሰባት ብጥይት ከምዝተቐትሉ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም’ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG