ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ነበርቲ ብሄር ተኮር መጥቓዕቲ ተፈፂሙና ኢሎም


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎንደር ወረዳ ቋራ ከተማ ገለጎ ናብ 22 ጥቅምቲ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ መንነት መሰረት ዝገብረ መጥቓዕቲ ከምዝተፈፀመ ግዳይ መጥቓዕቲ ኮይንና ዝበሉ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ንህይወቶም ክብሉ ኣብ ናይ ፌደራል ካምፕ ኣዕቒቦም ከምዝርከቡ ዝገለፁልና ዘዘራረብናዮም ብንግዲ ዝመሓደሩ ነበርቲ እታ ከተማ ዒላማ እቲ መጥቓዕቲ ተጋሩን ኣባላት ብሄረሰብ ቅማንትን ምዃኖም ይገልፁ።በቲ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ምማቱን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ናይ ኣካል ጉድኣት ከምዝወረደን ሓቢሮም ኣለው።ሓሙሽተ ናይ ዓለባ መሸጢ ቡቲካት፣ሓደ ናይ ነዳዲ መከፋፈልን ናይ ሓፂን መፂን መሸጢ መደብርን እውን ንብረት ተዘሪፉ በራሚል ነዳዲ ከምዝተቓፀለ ሰብ ንብረት ገሊፆም ኣለው።

ተወላዲ ብሄረሰብ ቅማንት ዝኾነን ድሕሪ እቲ ግጭት ኣብ ከተማ ጭልጋ ከምዝርከብ ዝገለፀን ኣቶ ሃይለማሪያም ኣባተ እቲ መጥቓዕቲ መንነት ምሰረት ዝገበረ እዩ ይብል።

‘’እዚ ሽግር ቅድሚ ምፍጣሩ ቅምናትን ተጋሩን ካብ 21 ጥቅምቲ እንተድኣ ዘይወፂእኹም ስጉምቲ ንወስድ ኢና ዝብል መጠንቀቕታ ወረቐት ተለጢፉ ነይሩ’’ይብል።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ወረዳ ቋራ ኣቶ ፈጠነ ጌጡ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብህዝቢ ዝተልዓለ ሕቶ ፀገም ሰናይ ምሕደራ እንተሃለወ እውን ንወራር ዝተዋፈሩን ንዝኾነ ይኹን ዘይውክሉ እዮም ዝበሉዎም ነቲ መጥቓዕቲ ለይቲ ከምዝፈፀምዎ ሓቢሮም።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:30 0:00

XS
SM
MD
LG