ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ከተማታት ወልዲያ፣መርሳን ቆቦን ዝተፈጥረ ግጭት ስዒቡ ሎሚ እውን ሰባት ይእሰሩ ከምዘለው ነበርቲ ገሊፆም።
ብኻልእ ወገን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ምኽትል ኣቦ ወንበር ኦፌኮ ኣቶ በቀለ ገርባ ቕልጡፍ ሕክምና ተዘይረኺቦም ሓደ ዓይኖም ዳግም ክርእይ ከምዘይኽእል ብሓኪሞም ከምተነግሮም ጓሎም ሓቢረን።
ኣብዚ ቅንያት ግጭት ዝተኻየደለን ከተማታት ወልዲያ፣ቆቦን መርሳን ሎሚ እውን ማእሰርቲ ምቕፃሉ ነበርቲ ይገልፁ።ካብ ወልዲያ ዘዘራረብናዮ ነባሪ ከምዚ ይብል።
“ብዙሓት መናእሰይ ተኣሲሮም ኣለው።ናይቲ ከባቢ ሽማግለታትን ሰብ ሃብትን ሓዊሱ ተኣሲሮም ኣለው።ስታዲዮም ዝፍለጥ ንመፃወቲ ኩዕሶ እግሪ እዩ፤ኣብዚ ስዓት ግን ሓዱሽ መአረሚ ቦታ እናትብሃለ ይዝረበሉ ኣሎ።”
ነባሪ ከተማ መርሳ ዝኾኑ እውን እቲ ማእሰርቲ ከምዝቐፀለ ከምዚ ክብሉ ይገልፁዎ።
“ሰራሕተኛ መንግስቲ ሓዊሱ ብሓፈሻ ይእሰሩ እዮም ዘለው።ፌደራል እዩ ዝኣስሮም ዘሎ፤ዝርከብሉ ቦታ እውን ኣይፍለጥን።ነባሪ እቲ ከተማ ገዝኡ ዓፅዩ ኮፍ ኢሉ ይርከብ።”
ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ካብ ከተማ መርሳ ግን ኣብያት ንግዲ ዝተዓፀው እንተኾኑ እውን ሰባት ኣብታ ከተማ ይንቀሳቐሱ ኣለው፣ካብ ትማሊ ጀሚሮም ንዝዓነውን ዝነደዱን የፅርዩ ነይሮም ይብል።
ነባሪ ከተማ ቆቦ እውን ኣብታ ከተማ ስራሕ ብግቡእ ከምዘይተጀመረን ወጥሪ ከምዘሎን ገሊፁ’ሎ።እቶም ነበርቲ ከምዝበሉዎ ኣብተን ከተማታት ውጥረት ከምዘሎን መንእሰያት እውን ይእሰሩን ከምዘለው እዩ።
ብካልእ ዜና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ምኽትል ኣቦ ወንበር ተቓዋሚ ፓርቲ ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ(ኦፌኮ) ኣቶ በቀለ ገርባ ሓደ ዓይኖም ተጎዲኡ ከምዘሎ ዝገለፀት ጓሎም ቦንቱ በቀለ ህፁፅ ናይ ሕክምና እንተድኣ ዘይረኺቦም ንኹሉ ግዜ ናይ ምርኣይ ዕድል ኣይህልዎምን ዝብል ብሓኪሞም ከምዝተነግሮም ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ተዛሪባ’ላ።
ንሳ ብተወሳኺ ምኒሊክ ሆስፒታል ስለዘይኽእሉዎ ናብ ናይ ውልቂ ሆስፒታል ሪፈራል ከምዝተጻሕፈሎም ትገልፅ።
“ምኒሊክ ሆስፒታል ዝፀሓፍዎ ብቕልጡፍ እንተድኣ ዘይተሓኪሞም ዓይኑ ክሳብ መወዳእታ ዳግም ዘይክርኢ ይኽእል እዩ፤እዚ ሕክምና እዚ ድማ ንሕና ኣብዚ ንህቦ ኣይኮነን ኢሎም እዮም ናብ ናይ ውልቂ ሕክምና ዝፀሓፍሉ።እቲ መአረሚ ቦታ ኸአ ሕጊ ስለዘይፈቅድ ኣይንወስድን” ኢሎም ትብል።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዓምዲ ኢንትርኔትን ማሕበራዊ መራኸቢን ብምፅሓፍ ዝፍለጥ ፀሓፊን ንሰብኣዊ መሰላት ዝንቀሳቐስን ዘለኣለም ወርቃገኘሁ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈቲሑ’ሎ።