ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳ አማሮ ኣስታት 140ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ደርቂ ተጸበይቲ ሓገዝ ምዃኖም ኣመሓዳሪ'ቲ ወረዳ ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ፍሉይ ወረዳ ኣማሮ ብሰንኪ ዝወረደ ሓደጋ ደርቂ ህዝቢ ንጥምየት ተቓሊዑ ጥሪታት ድማ ይሞታ ከምዘለዋ ርእይትኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝሃቡ ሰባት ገሊጾም።

ብዘይካ ደርቂ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ሰላም ስለዘየለ ነቲ ጸገም የጋድዶ ከምዘሎን ዝኣክል ሰብኣዊ ሓገዝ ይግበረሎም ከምዘየለን’ውን ጠቂሶም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ወረዳ ኣቶ ወገኔ ብዙነህ ብወገኖም ብሰንኪ’ቲ ደርቂ፣ ልዕሊ 140 ሽሕ ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ኮይኖም ኣለው ኢሎም።

ኮምሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓን ብወገኖም ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ’ቲ ክልል ልዕሊ 2-ሚልዮን ሰባት፣ ሕጽረት መግቢ ኣጋጢሙዎም ኣሎ ክብሉ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG