ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

6 ሸቶታት ዝተመዝገበሉ ናይ ሎሚ ግጥም ጋንታታት ኢትዮጵያን ኣልጀርያን


ሎሚ ሰሉስ ካልኣይ ግጥም ኣብ ስታድየም ኣዲሳበባ ዘካየዳ ሕሩያት ጋንታታት ኢትዮጵያን ኣልጀርያን ማዕረ 3 ን 3 ተፈላልየን።

ኣብ’ቲ ኣገራሚን ድራማዊን ኣጀማምራን ኣፈፃፅማን ዝተራኣየሉ ናይ ሎሚ ግጥም፣ ጋንታ ዋልያ ጌታነህ ከበደ ኣብ መበል 28 ደቂቃ ብዘመዝገባ ሸቶ’ዩ ቀፂሉ። እንተኾነ ኣልጀርያዊያን ማዕረ ትገብሮም ሸቶ ኣመዝጊቦም፣ ዕረፍቲ ኮይኑ።

ድሕሪ ዕረፍቲ፣ ጋንታ ዋልያ ክልተ ንሓደ ክትመርሕ ኪኢላ ድሕሪ ጌታነህ ዘመዝገባ ካልኣይቲ ሸቶ፣ እንደገና ኣልጀርያዊያን ማዕረ ትገብሮም ሸቶ ኣቑፂሮም።

ተቀይሩ ዝኣተወ ዳዊት ፈቃዱ ሳልሰይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ ጋንታ ዋልያ ሰለስተ ንክልተ ስዒራ ክትወፅእ’ያ እናተባሃለ ከሎ፣ ኣልጀርያዊያን ፍፁም ቅላዕ መቕፃዕቲ ኣብ መበል 85 ደቂቃ ረኺቦም፣ ተጠቂሞምላ።

ጋንታ ዋልያ ዓወታ ዓቂባ ክትወፅእ ዘይምኽኣላ ኣዝዩ ዘጣዕስ’ዩ። ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ጋንታ ኣልጀርያ ንጋንታ ዋልያ 7 ን 1 ከምዝሳዓረት ዝዝከር'ዩ። ብምንፅፃር ናይ ሎሚ ውፅኢት ንዋልያ ዘስደምም ምምሕያሽ'ዩ።

ብዝኾነ ኣልጀርያ ካብ’ቲ ምድብ ብ10 ነጥቢ 1ይ፣ ኢትዮጵያ ብ5 ነጥቢ 2ይ፣ ስሽልስን ሌሴቶን 3ይን 4ይን ይርከባ።

XS
SM
MD
LG