ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ክትህብያ


ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር USAID ለስሊ ሪድ
ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር USAID ለስሊ ሪድ

ኣመሪካ ህጹጽ ረድኤት ንዘድልዮም ኢትዮጵያውያን ዝውዕል ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ሓገዝ ክትህብያ ክብላ ኣብ ኢትዮጵያ ዳይረክተር USAID ለስሊ ሪድ ገሊፀን።

ለስሊ ሪድ ሃገረን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት 774 ሚሊዮን ዶላር ከምዝሓገዘት ድማ ሓቢረን።

ዩናይትድ ስቴትስ ዝሓለፈ ዓርቢ ወግዓዊ ዝገበረቶ ተወሳኺ ሓገዝ ናይ በልጊ ዝናብ ገምጊሙ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስትን መሻርኽቱን ዝተመሓየሸ ሰነድ ካብ ዘውፅኡ እዚ ናይ መጀመርያ ሓገዝ እዩ።

እቲ ሓገዝ ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ ዝሽፍን ናይ 600 ሚሊዮን ዶላር ተወሳኺ ገንዘብ ከምዘድሊ አብ ዝሓለፈ ቅነ ዝወፀ ሓድሽ ሰነድ ይሕብር።

ዳይሬክተር USAID አብ ኢትዮጵያ ለስሊ ሪድ ”ዩናይትድ ስቴትስ ተወሳኺ 35 ሚሊዮን ዶላር ምልጋሳ በዚ አጋጣሚ ክገልጸልኩም እደልይ። ምስ መሻርክቱን ምስ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት አተሓባባሪ ሰብኣዊ ረድኤት ካልኦትን ብምዃን ህፁፅ ድልየት ኢትዮጵያዊያን ንምምላእ ይሰርሕ ኣሎ እዚ እውን ነዚ ዝውዕል እዩ “ ኢለን።

እዚ ናይ ሎሚ ሓገዝ ሓዊሱ ዩናይትስ ስቴትስ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣስታት 774 ሚሊዮን ዶላር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከዝለገሰት ለስሊ ሪድ ብተወሳኺ ሓቢረን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣመሪካ ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ተወሳኺ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ክትህብያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:26 0:00

XS
SM
MD
LG