ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ትርከበሉ ሃዋሁ


Ethiopia
Ethiopia

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ካብ ትኣትው ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ተቆጺሩ’ሎ።

ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ፣ እታ ሃገር ካብ ዝኣተወቶ ህዝባዊ ተቃውሞን ቅልውላውን ንምውጻእ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ተጸሚድና ኣለና ይብሉ። እግረ መንገዶም’ውን መንቀሊ’ቶም ጸገማትን ዕንወታትን እዮም ኢሎም ንገለ ደጋዊን ውሽጣዊን ሓይልታት ይኸሱ።

ጋሻና ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ኮሚኒከሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ ‘ምስ ግብጺ ዘሎ ምስሕሓብ ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ይዕየየሉ ስለዘሎ ሪኢቶ ካብ ምሃብ ተቖጢበ ኣለኹ፣ ክብሉ ከለው ንመንግስቲ ኢርትራ ግና ይኸሱ’።

ንምዃኑ ኩነታት ጸጥታን ህድኣትን ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ? እቲ ጸገም ካብ ሱሩ ንምምሓው ዝተወስዱ ስዳሮታት እንታይ ይመስሉ? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ኣልዒልና ምስ ኣቶ ዛድግ ኣብራሃ ተዘራሪባና ኣለና።

ኣብ ዘረባና ኣቶ ዛድግ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝምልከት ዘቃልሕዎ ሪኢቶ መልሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ንምርካብ ክንሰርሕን ምስ ረኸብና ክነቅርበልኩምን ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:53 0:00

XS
SM
MD
LG