ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ውጽኢታዊ ይኾን ኣሎ ኢሎም ዋና ዓቃቢ ሕጊ'ታ ሃገር


Ethiopia
Ethiopia

ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ ድሕሪ ምትግባሩ ኣብ ውሽጢ መዓልታት፣ ለውጢ ይራኣይ ከምዘሎ ዓቃቢ ሕጊ’ታ ሃገር ገሊጾም።

ኣቶ ጌታቸው እምባዬ ‘ እቲ ኣዋጅ፣ ኮማንድ ፖስት፣ ኣገደስቲ ኣብ ዝባሃሉ ከባቢታት ሰዓት እቶ እቶ ክእውጅ ይኽእል’ዩ ይብል’ምበር ኣብ’ዚ ሰዓት’ዚ ሰዓት እቶ-እቶ ተኣዊጁ’ዩ ኣይብልን’ ኢሎም።

ወሲኾም 'ዜጋታት ከይትንቀሳቀሱ ዝተባሃሉ ይመስል ካብ ኣዲሳበባ ናብ ኣዋሳን ካልኦት ከባቢታትን ወስ ክብሉ ዘይካኣሉሉ ኩነታት’ዩ ነይሩ' ኢሎም።

ኣቶ ጌታቸው እምባየ ‘ህውከትን ዕግርግርን እናሰፍሐ ከይዱ፣ ንኣብነት ምቁራጽ መጓዕዝያ ኣጋጢሙ፣ ንህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዝውዕል ኣገደስቲ ኣቑሑት ንሓደ-ክልተ መዓልታት ኣብ መንገዲ ዝተደናጎየሉ፣ ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ዝነበሮ ነዳዲ፣ ኣብ መተማ ደው ክብል ዝተገደደሉ ኩነታት’ውን ተኸሲቱ ነይሩ። ሳላ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ግን፣ እዞም ዝተጠቐሱ ጸገማት ተወጊዶም፣ ሰላምን ድሕነትን ናብ ንቡር ዝተመለስሉ ኩነታትን ከምዘሎ ክፍለጥ ኣለዎ’ ኢሎም።

‘ኣዋጅ ጊዚያዊ ህጹጽ ጊዜ ብመሰረት ሕጊ’ታ ሃገር ዝተተግበረን፣ ሰላምን ድሕነትን ናብ ህዝቢ ዝመለሰን’ዩ እውን ኢሎም’ ይብል ኣቀባሊና እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:49 0:00

XS
SM
MD
LG