ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ድሕሪ ኣቶ መለስ ዜናዊ


Ethiopia Meles Funeral
Ethiopia Meles Funeral
ኢትዮጵያ ድሕሪ ሕልፈት ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ንቕድሚት ምጥማት ጀሚራ’ላ።ብምኽንያት ሞት ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ዘስዓቦ ናይ ክልተ ሰሙና ሓዘን ኣዲስ ኣበባ ናብ ንቡር ትምለስ ኣላ።
ኣቢ ሃይለሚካኤል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ቦሌ ብስራሕቲ ምቕምቃል ጮግሪ ይናበር።ከምቶም ካልኦት ኢትዮጵያዊያን ንሱ’ውን ኣቶ መለስ ዜናዊ ነታ ሃገር ዝሰርሕዎ ክርሳዕ የብሉን ይብል።ደኺሙኒ ከይበሉ ዝሰርሑዎም ስራሕትን ከይረሳዕና ናቶም ሰናይ ትልምታት ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓል ሓላፍነት ኣለና ይብል።
ኣቶ መለስ ዜናዊ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብዝፀንሕሉ እዋን ቕልጡፍ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣመዝጊቦም እዮም።ብዙሓት ሰባት ኣብታ ሃገር ድሕሪኦም እንታይኮን ይፍጠር ይኸውን ኢሎም ይሓቱ።
ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴር ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ቀዳማይ ምንስቴር ብምዃን ክትክኡ እዮም።እንተኾነ ቃለ ምሓላ ገና ኣይፈፀሙን።
ወሃቢ ቃል ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ዲና ሙፍቲ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ብወግዒ ስልጣን ተረኪቦም እዮም ይብሉ።
እቲ ሕቶ ግን ኣቶ መለስ ዜናዊ ዝነበሮም ሰፊሕ ደገፍ ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝኸ ክረኽቡዶ ይኽእሉ ዝብል እዩ።
XS
SM
MD
LG