ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤምባሲታት'ቶም ዚጋታቶም ካብ መጥቃዕቲ ዝዳሓኑን ኢትዮጵያን ዝተዋደደ ስራሕ ይዓዩ ኣለው ይብል ኤምባሲ ኣሜሪካ


ናይ'ዚ እዋን መደብ ግና ነቶም ዝተረፉ ምክንኻን ምኻኑ'ውን ተጠቂሱ

ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮዽያ ኣብ ልዕሊ ቱሪስታት ብዛዕባ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፣ዝምልከቶም ኤምባሲታትን መንግስቲ ኢትዮዽያን ዝተዋደደ ስራሕ ይዓዩ ከምዘለው ኤምባሲ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ወሃቢ-ቃል ኤምባሲ ኣሜሪካ ሮበርት ፖስት ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቆጢቦም‘ለው።ግን እቲ ኤምባሲ ምስ ዝምለከቶም ኤምባሲታት ዝተዋደደ ስራሕ ይዕየይ ከምዘሎ ጠቂሶም።

እቲ ኣብ ከባቢ ኣርቴሌ-ዓፋር ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቱሪስታት፣ተግባር ኤርትራ ምኻኑ ሰበ-ስልጣን ኢትዮዽያ ምግላፆም ይዝከር።ምንስትር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ ግና፣ነቲ ካብ ኢትዮዽያ ዝቀረበ ክሲ ይነፅግዎ።

ኣብ ምንስትር ወፃኢ ኢትዮዽያ ዳይረክተር ኮሚኒኬሽን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንኩነታት‘ቶም ዝተጨውዩ ተሓቲቶም እቶም ኣርባዕተ ዝተጨውዩ ኣብ ግዝኣት ኤርትራ ከምዝርከቡ ጠቂሶም።

ወሃቢ-ቃል ኤምባሲ ኣሜሪካ ሮበርት ፖስት፣ናይ‘ዚ እዋን‘ዚ መደብ፣ ንግዳያት ሓገዝ ምግባር‘ዩ ኢሎም።ሰራዊት ምክልካል ኢትዮዽያ‘ውን ሓገዝ ይልግስ ኣሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG