ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበረሰብ ዓፋርን ኢሳን ብድርቂ ተጠቒዕና ኢሎም


ብምርባሕ እንስሳት ዝመሓደሩ ዓፋርን ኢሳን ብድርቂ ይጥቅዑ ከምዘለው ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ኣፍሊጦም።ብምኽንያት እቲ ድርቂ ብርክት ዝበላ እንስሳት ምማተንን ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ህይወት ሰባት ምጥፍኡን ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

እንስሳታት በቲ ድርቂ ይሞታ ስለዘለዋ መነባብሮ ዓፋርን ኢሳን ኣዚዩ ተሃሲዩ፣ህፃናት ንሕፅረት ምግቢ ተሳጢሖም ክብሉ ወኪላት እቲ ማሕበረሰብ ሓቢሮም።

ካብ ግንቦት ጀሚሩ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ዝናብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውስን ከባቢታት ምውቃዕ ምጅማሩ ተፈሊጡ’ሎ።

መውዓሊ ከብቲ ዝኾኑ ከባቢታት ንናይ መንግስቲ ቃንጫ ሽኮርን ካልኦት ምህርትን ስለዝተኸልከሉን ቀረብ ማይ ስለ ዝነከየን እቲ ድርቂ ክጋደድ ክኢሉ ይብሉ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወልደቲ ማሕበርሰብ ዓፋር።

ካብ ቢሮ ምክልኻል ሓደጋ ክልል ዓፋር ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG