ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ መንጎ ፖሊስን መናእሰይን ዝተፈጥረ ግጭት


ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ብመንግስቲ ኣብ ዝተፀውዐ ኣኼባ ዝተሳተፉ መናእሰይ ዝግባእ ማዕልታዊ ኣበል ክኸፈሉ ብዘቕረቡዎ ሕቶ ምኽንያት ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ መናእሰይ ተኣሲሮም ከምዝተፈትሑን ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሓደ መንእሰይ ከቢድ መውቃዕቲ ከምዝፈፀመን ማህረምቲ ዝወረዶ ሰብ ገሊፁ።

ምኽትል ከንቲባ ከተማ ዓድዋ ኣቶ ዘስላሰ ዘrኣብሩክ ሕቶ መናእሰይ ግቡእ ምዃኑ ብምእማን ፖሊስ ስርዓት ከስፍን ኣብ ዝተንቀሳቐሰሉ ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ሓይሊ ተጠቒሙ እንተኾይኑ ይፃረ ኣሎ ኢሎም ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:16:21 0:00

XS
SM
MD
LG