ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አዲስ አበባ፡ ቁጽሪ ዝተአከበ ጎሓፍ ፈሪስዎም ዝሞቱ ሰባት 113 ምብጽሑ ተሓቢሩ


ስነ ስርዓት ቀብሪ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት
ስነ ስርዓት ቀብሪ በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት

ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሪባ ደመቅሳ፡ መስርሕ ምንዳይ ጉዱኣት ኣብ ምዝዛሙ`ዩ ዘሎ ድሕሪ ምባል፡ ሕብረተሰብ`ቲ ኸባቢ ልዑል ምርብራብ ከምዝገበረ ገሊጾም።

ካብ መንጎ`ቶም ዝሞቱ ብዙሓት ቆልዑትን ደቀ ኣንስትዮን`ዮም። ሰበ-ስልጣን ብዛዕባ ጠንቂ `ቲ ሓደጋ ዝቐርብ ሕቶ ንጎኒ ይገድፍዎ`ለዉ።

ከንቲባ ዲሪባ ኩማ፡ ምምሕዳሮም ተወሳኺ ህይወት ንኸይጠፍእ ንሰባት ኣብ ምሕጋዝ ኣተኩሩ ከምዘሎ ይገልጹ።

ኣብ ከባቢ`ቲ እንዳ ጎሓፍ፡ መንበሪ ሰሪሓ ትነብር ወርቅነሽ ትብሃል ዜጋ፡ ንመንግስቲ ኣብ መስርሕ ምድሓን ዝሑል ምላሽ ብምሃቡ ትነቅፍ። ናተይ ከባቢ መንግስቲ`ውን ኣይፈሓረለይን-ባዕለይ ገንዘብ ከፊለ`የ ኣፍሒረዮ ትብል።

ሚንስትር ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ነገሪ ለንጮ፡ በቲ ገና ብሕጂ ዝጻረ ሓደጋ ዝተጎድኡ ሰባት ንምድሓን መንግስቲ ዝከኣሎ ጻዕሪ የካይድ ኣሎ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ኣምሓርኛ ገሊጾም።

ብርክት ዝበሉ ካብ`ቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ነቲ እንዳ ጎሓፍ ዘነቓነቖ መንግስቲ`ዩ ብዝብል ንመንግስቲ ተሓታቲ ይገብሩ። ካልኦት ድማ ኣብ`ትሕቲ`ቲ ኸባቢ እንዳ ጎሓፍ ዝስራሕ ዘሎ ህንጸት`ዩ ነቲ ጉሓፍ ክሃምም ጌርዎ ይብሉ።

መበገሲ`ቲ ሓደጋ ብናይ ውሽጥን ወጻእን ሰብ-ሞያ ከምዝጻረ ከንቲባ`ታ ከተማ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ 323 ዝኾኑ ሰባት ካብ ከባቢ እንዳ ጎሓፍ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዘልገሶም ኣፍሊጡ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አዲስ አበባ፡ ቁጽሪ ዝተአከበ ጎሓፍ ፈሪስዎም ዝሞቱ ሰባት 113 ምብጽሑ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:54 0:00


XS
SM
MD
LG