ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ተምሃሮ ብዝተፈጠረ ግጭት ሽዱሽተ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ኣዳማ ከምዝተባረሩ ተምሃሮ ገሊፆም


ምኽንያት እቲ ግጭት ፕሮግራም ቴሌቪዥን ንምራኣይ ምዃኑ እንተተገልፀ’ውን ብዛዕባ ኣጀማምርኡ ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ነኒባዕሉ ዝዋቓዕ መግለፂ ሂቦም ኣለው።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዳማ ኣብ መንጎ ተምሃሮ ብዝተፈጠረ ግጭት ሽዱሽተ ተምሃሮ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ከምዝተባረሩ ተምሃሮ ኣፍሊጦም።መንቀሊ እቲ ግጭት ፕሮግራም ቴለቪዥን ንምርኣይ ብዝተልዓለ ምስሕሓብ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምኽንያት እቲ ግጭት ፕሮግራም ቴሌቪዥን ንምራኣይ ምዃኑ እንተተገልፀ’ውን ብዛዕባ ኣጀማምርኡ ዘዘራረብናዮም ተምሃሮ ነኒባዕሉ ዝዋቓዕ መግለፂ ሂቦም ኣለው።

ሓደ ዘዘራረብናዮ ተምሃራይ እቲ ግጭት ዝተጀመረ ኦሮሞቶት ዝኾኑ ተምሃሮ ቴለቪዥን እናረአዩ እናሃለው ሓደ ትግራዋይ ተምሃራይ ካሊእ ፕሮግራም ክንርኢ ኣለና ብምባሉ ምስ ሐደ ኦሮሞታይ ተምሃራይ ተፃሊኦም እቲ ኦሮሞ ነቲ ትግራዋይ ብበትሪ ከምዝወቕዖ ይገልፅ።

ምስ ምኽትል ፕሬዝዳንት እቲ ዩኒቨርስቲ ብምዃን ንቶም ተምሃሮ ዘዘራረበ ፕሬዝዳንት ተምሃሮ ዩኒቨርስቲታት ኢትዮጵያን ፕሬዝዳንት ተምሃሮ ዩንቨስርቲ ኣዳማን ዝኾነ የሱፍ ኢብራሂም ኣጀማምራ እቲ ፅልኢ እንትገልፅ እቶም ተምሃሮ ብቴሌቪዥን ኩዕሶ እግራ እናረአይ ከለው ብናይ ኦሮሚያ ቴሌቪዥን ዝመሓላለፍ ሰሙናዊ ድራማ ንምርኣይ ዝደለዩ ተምሃሮ ነቲ ቻናል ብምቕሮም ትግራዋይ ተምሃሪ ዝኾነ ድማ ናብቲ ዝነበሮ ናይ እግሪ ዂዕሶ ቻናል ክቕይር ኣብዝፈተነሉ እዋን ኣብ መንጎ ክልተ ተምሃሮ ባእሲ ተፈጢሩ ይብል።

ክልቲኦም ዝተፃልኡ ተምሃሮ ምስገላገልዎም ካሊእ ኦሮሞታይ ተምሃራይ ነቲ ትግራውይ ተምሃራይ ብበትሪ ወቒዑ ከምዘውደቖን እቲ ተምሃሪ ናብ ሕክምና ከምዝተልኣኸን የሱፍ ሓቢሩ።

እቲ ዩንቨርስቲ’ውን ንቶም ክልተ ዝተዋቕዑ ተምሃሮ ብመጠንቀቕታ ከምዝሓለፎምን ነቲ በበትሪ ዝወቖዐ ተምሃራይ ግን ንሓደ ዓመት ካብ ዩኒቨርርስቲ ከምዝባረረን እቲ ናይ ተምሃሮ ፕሬዝዳንት ይገልፅ።

በቲ ናይ ምብራር ስጉምቲ ዝተቖጥዑ ኦሮሞቶት ተምሃሮ እቲ ዩንቨርስቲ ንኸዘራርቦም ሓቲቶም ምስ ምኽትል ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶ/ር ቶላ በሪሶ ምዝርራቦም እቶም ኦሮሞ ተምሃሮ ይገልፁ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ሓይልታት ፀጥታ ናብቲ ዩኒቨርስቲ ኣትዮም ን53 ኦሮሞ ተምሃሮ ከምዝኣሰሩን ንፍርቆም ፈቲሖም ንካልኦት ግን ናብ ቤት ፍርዲ ምስቐረቡ ዘዕግብ መርትዖ ስለዘይረኸቡ ተፈቲሖም ይብሉ እቶም ተምሃሮ።

ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ስለዘብፅሑ ተኣሲሮም ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡን ኣብ ናይ ኢድ ስልኮም ናይ ኦነግ ባንዴራ ብምሓዝ ብኣሸባሪነት ክሲ ከምዝተመስረቶምን መርትዖ ስለዘይቀረበ ግን ምፍትሖምን ፕሬዝዳንት ተምሃሮ ይሱፍ ይገልፅ’ሞ እቲ ቤት ፍርዲ ብነፃ እንተፈትሖም እውን ብዝፈፀምዎ ጥፍኣት ጉዳዮም ብዩኒቨርስቲ ተመርሚሩ ዝተባረሩ ከምዘለው ይሕብር።በዝሒ ዝተባረሩ ተምሃሮ ሽዱሽተ ምዃኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ብዛዕባ እቲ ዝተፈጠረ ኩነት ንኽገልፁልና ንምኽትል ፕሬዝዳንት ዩኒቨርስቲ ኣዳማ ንዶ/ር ቶላ በሪሶ ኣብ ናይ ኢድ ስልኮም ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይተዓወተን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከይዲ ትምህርቲ ቐፂል ተምሃሮ ናይ ቀዳማይ ሰሚስተር ፈተንኦም እናወሰዱ ምዃኖም’ውን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልፅ።

XS
SM
MD
LG