ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ሱዳን ንዶብ ሰጊሮም መሬት ኢትዮጵያ ምሓዞም ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝነብረ ውጥረት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሃደአ እንተኾነ እውን ሓይልታት ሱዳን ንዶብ ሰጊሮም መሬት ምሓዞም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።ኢትዮጵያ እቲ ፀገም ብሰላም ክፍታሕ ከም እትደሊ ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደ ዲና ሙፍቲ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝ ሃቡዎ መግለፂ ዕጡቓት ሓይልታት ሱዳን ንልዕሊ ሓደ ምእቲ ዓመት ብኢትዮጵያዊያን ክሕረስ ዝነበረ መሬት ዶብ ሰጊሮም ብሓይሊ ከምዝሓዙዎ ኣፍሊጦም።

ብወገን ኢትዮጵያ ናይ ምትሕግጋዝን ሰላማውን ርክብ ንክቕፅል ድልውነት ከምዘሎ ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ወፃኢ ጉዳይ ምንስቴርን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ቀረባ ኣብ ሱዳን ኣብዝበፅሕሉ እዋን ንናይ ሱዳን መዘንኦም ከምዝገለፅሎም ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም።

ካብ ሱዳን ዝተርኣየ ግን ናይዚ ተፃራሪ እዩ ኢሎም።

‘’ናይ ሱዳን ሰኪሩቲ፣ናይ ሱዳን ዕጡቓት፣ናይ ሱዳን ወታደራት ንዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሮም መጥቓዕቲ ዝፈፀምሉ፣ናይቲ ሓረስታይ ሕርሻ ዝወረርሉ ናይ ሓረስታ ሃፍቲ ዝወሰዱሉ ሕሉፍ ሓሊፍ ብሚዲያ እናወፁ ኮላይ ፖለቲከኛታት እዚ ናትና ዶብ እዩ፤እዚ ናትና መሬት እዩ፤መሬትና መሊስና ሒዝና ኣለና፤ኣይንወፅእን ክሳብ ምባል እዮም በፂሖም ብፍላይ ብገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ሱዳን ሓዊሱ እዩ እዚ ዝስማዕ ዘሎ’’ ኢሎም።

ኣብዚ ስዓት ንሕጊ ጥሒሶም ንከባቢ ሓደ ምእቲ ዓመት ተፈሊጡ ግን ዘይተጠረረ ዶብ ሒዞም እዮም ኮፍ ኢሎም ዘለው ኢሎም።

እዚ ብሱዳን ዝተፈፀመ ተግባር ብካልኦት ሓይልታት ዝተደፍኣሉ እዩ ኢሎም።

እቶም ተዋሳእቲ ኣብ ሱዳን ውሱናት ወታደራት ሓዊሱ ኤሊታት ፖለቲካ ምዃኖምን ኮይኖም ግን ብቀንድነት ካብ ወፃኢ ንህዝብታት ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘይግደሱ ብፍላይ እዚ ዞባ ክህወኽ ዝደልዩ ሓይልታት ምህላዎ እዩ ኢሎም።

እዞም ናይ ባዕሎም ረብሓ ኣለዎም ዝበሉዎም እዞም ሓይልታት ፍሉጣ ስለዝኾኑ ሽሞም ምጥቃስ ኣየድልን ብሓፈሻ ናይ ሱዳን ይኹን ናትና ምዕባለ ዘይደልዩ እዮም ኢሎም።

ንሕና ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ርክብ ክንሕብሕቦ ኢና ንደሊ ተዘይኮኑ ንሳቶም ናብ ዝደልዩዎ ጭካ ኣቲኻ ናብ ፀግም ምእታው እዩ ክኸውን ኢሎም ኣምባሳደር ዲና።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀመ መግሃስቲ መሰላት ብነፃ ኣካል ክምርመር ብሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ካልኦት ኣካልት ዘቕረቡዎ ሕቶ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዱቕ ገይሩዎ ንዝብል ክሲ እውን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ክብሉ ነፂጎምዎ።በርታት ሰብኣዊ ረድኤት እውን ክፍቲ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ከባቢ ዝተፈፀሙ ኣትሮሲቲስ \ጭካነታት/ ብዝኾነ ይኹን ይፍፀም ንቕድሚት እናተፃረየ ብግልፂ ናብ ኣደባባይ ዝወፀሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ ኢሎም።

ነፃ ምርመራ ዝተኸልከለሉ ኩነታት የለን ኢሎም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብምውሳኽ።

XS
SM
MD
LG