ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራዊያን ሓተቲ ዕቑባ ፖሊሲኣ ከምዝለወጠት ተፈሊጡ


ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ንዝኣትው ብቐጥታ ዕቑባ ምሃባ ጠጠው ከምዘበለት ተፈሊጡ።ሕብራት መንግስታትን ጉጅለታት ረድኤትን እዚ ዘይእውጅ ፖሊሲ ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለን እዚ ክኣ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ንዝፍትኑ ኤርትራዊያን ኣብ ኢድ ጨካናት ኣዛወርቲ ሰባት ዘውድቕን እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ካብ ዓለምለኸ ለገስቲ ናእዳ ዘትረፈላ ከም ካብ ደቡብ ሱዳንን ኤርትራን ዝኣመሰላ ሃገራት ንዝመፁ ሓተቲ ዕቑባ ማዕፁኣ ክፉት ናይ ምግባር ፖሊሲ ንዓመታት ሒዛ ፀኒሓ እያ።

ብመሰረት ሕቡራት መንግስታትን ጉጅለታት ሰብኣዊ ረድኤትን ግን ኢትዮጵያ ብስሩዕ ከይኣወጀት ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚራ ፓሊሲኣ ቀይራ ኣላ።መንግስቲ ካብታ ሃገር ክሃድሙ ይፍትኑ ንዘለው ኤርትራዊያን ብቐጥታ ዕቑባ ኣይክህብን።

ብመሰረት ቪኦኤ ዝርኣዮን 9 ሚያዚያ 2020 ኣ/ፈ ዝተፅሓፈን ደብዳበ ናይ ኢትዮጵያ ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመልስትን ቅድም ክብል ይስርሓሉ ዝነበረ ኣገባብ ናዳይ ዘይብሎም ቆልዑ፣ዘይሕጋዊ ስደተኛታትን ዕቑባ ምርካብ ዘኽእል መዐቀኒ ዘይማልኡ ብበዝሒ ክውሕዙ ዝገበረ እዩ ክብል ንለገስትን ጉጅለታት ረድኤትን ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ ነጊሩዎም ኣሎ።

ኣክቲቪስታትን ጉጅለታት ረድኤትን እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣስገዳድ ምልመላ ፕሮግራም ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይደልዩ ኤርትራዊያን ዝህልዎም መማረፂታት ዝድርት እዩ ይብሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሕቡራት መንግስታት ወኪል ስደተኛታትን ኣን ኢንካውንተር ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ኤርትራዊያን ኣብ ኢድ መርበብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ ሰባት ክወድቑ ዝገብር እዩ ኢለን።

‘’እቲ ሻቐሎት ናይ ብሓቂ ኣብ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑት፣ ህፃውንቲ እዩ።ኣብዚኦም እዩ እቲ ሓደጋ ዘሎ።ምኽን ያቱ ናብ ኣውሮፓን ካሊእ ከባቢን ንምጉዓዝ ኣብ ኢድ ኣዛወርቲ፣ነጋዶ፣ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ይወድቑ’’ ኢለን።

ሰበስልጣን ኤጀንሲ ጉዳያት ስደተኛታትን ተመለስትንከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ክልቲኦም ሪኢቶም ካብ ምሃብ ተቖጢቦም ኣለው።ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ናይ ኤርትራ ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ ግጭት ጠጠው ክብል ኣብ 2018 ኣ/ፈ ስምምዕ ሰላም ተፈራሪሞም።እቲ ስምምዕ ካብ ዝፍረም ክልቲኦም መራሕቲ ክልቲኣዊ ርክቦም ንምሕያል ብተደጋጋሚ ክራከቡ ፀኒሖም እዮም።

ካብ ኤርትራ ንዝመፀ ስደተኛን ኣቐባሊ ቃል ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተምሃሮ ዩኒቨርስትን ማሕበር ተምሃሮን በረኸት ዘሙይ ካብ ኤርትራ ክሃድሙ ዝድልዩ ዘለው ህይወቶም ኣብ ስግኣት ስለዝወደቐ እዩ ይብል።

በረከት ‘’ሕድ ሕድ ኤርትራዊ ስድራ ብናይታ ሃገር መላኺ ስርዓት ተተንኪፉ እዩ።ከምልጡን ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ዝፍትኑ ዘለውን ንህወቶም ስለዝሰግኡ እዮም፤ዋላ እውን እቶም ናዳይ ዘይብሎም ዕሸላት ይኹኑ እቶም ስድራታት።እቶም ናዳይ ዘይብሎም ቆልዑ ናብ ገዛውቶም ክምለሱ ከለው ከም ከድዓት እዮም ዝርኣዩ’’ እዩ ዝበለ።

ካብዚ ሓደሽ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከብን 10,000 ኤርትራዊያን ኣዕቒቦምሉ ንዝርከቡ ማእኸል ስደተኛታት ሕፃፅ ክትዓፅዎ ትልሚ ኣለዋ።

ኣብ ኣዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ሕፃፅ ምዕፃው ነበርቲ ናይቲ ካምፕ ከይተሓሰበ ነቲ ቫይረስ ከጋፍሑዎ ይኽእሉ እዮም ክብላ ዝምከር ኣይሎነን ይብላ ኢንካውንተር።

ኢትዮጵያ ንምስፍሕፋሕ ናይቲ ቫይረስ ጠጠው ንምባል ንኩሎም ዶባታታ እንተዓፀወት እውን ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣስታት 2,000 ደቡብ ሱዳናዊያን ሓተቲ ዕቑባ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎምን ሕቡራት መንግስታት ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG