ግብፂ ብህንፀት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮዽያ ክትሻቀል ኣይግባእን ኢሎም ምንስትር ማያዊ ሃብቲ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ተገኑ።
ንሶም ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ”ምቅልባብ ዋሕዚ ሩባ ኣባይ ብመሰረት ኢትዮዽያ ዝተለመቶ ዝተፈፀመን ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብፅን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ፅልዋ ዘይምህላውን ጠቂሶም።ከምኡ ኾይኑ‘ውን ግብፂ ስግኣት ኣለኒ ትብል እንተኾይና ሃገሮም ንምዝርራብ ቅርብቲ ከምዘላ” ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምስ ቻነል ሓደ ቃለ-መጠይቅ ዘካየዱ ፕረዚደንት ግብፂ”ጥብ ትብል ማይ ናይል ሸለል ንብሎ ጉዳይ ኣይኮነን።ስቅታ ኣይንመርፅን።ጊዜ‘ውን ኣይነባኽንን” ኢሎም።
ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ፣ኣብ ልዕሊ‘ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ጉባኤ ፀዊዖም‘ለው።ፖለቲካዊያን ግብፂ”ኣፈላላዮም ንጎኒ ገዲፎም ኣብ ልዕሊ ናይል ሓባራዊ መርገፂ ንክሕዙ‘ውን ፀዊዖም”ይብል እቲ ሪፖርት።