ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንነት ንጀርመናዊ በጻሒ ሃገር ዝቐተሉ ንምፍላጥ ምርመራ ይኻየድ ምህላው ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ይበጽሕ ዝነበረ ጀርመናዊ ቱሪስት ዝቐተሉ ዕጡቓት መን ምኳኖም ይጻረ’ሎ ክብሉ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

በቲ መጥቓዕቲ እቶም ጀርመናዊ ቱሪስት ክቕተሉ ኸለው መራሒ መንገዲ ኢትዮጵያዊ ከምዝቖሰሉ ይፍለጥ።

እቲ መጥቓዕቲ ዝተፈጸመ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ኤርታለ'ዩ፡ ብጉጅለ ኮይኖም ይዘዋወሩ ኣብ ዝነበሩ በጻሕቲ ሃገር መጥቓዕቲ ከምዝተኻየደ፡ ጀርመናዊን ኢትዮጵያዊ መራሒ መንገዲን ስእሊ ንምስኣል ፍልይ ኣብ ዝበልሉ እዋን ተኩሲ ከምዝተኸፈተሎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዛጊት መንነት’ቶም ዘይተገለጸ ጀርመናዊ ቱሪስት ክቕተሉ ኸለው መራሒ መንገዲ ኢትዮጵያዊ ቆሲሎም ኣለው። እቶም ተኹሲ ዝኸፈቱ መን ምኻኖም ንምፍላጥ ምርመራ ይኻየድ ኣሎ ክብል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG