ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ቀረብ ማይ ብህጹጽ ከምዘድልይ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ደቡብ ምብራቕን ደቡብን ን60 ጣቢያታት ቀረብ ማይ ብህፁፅ ከምዘድሊ ተገሊፁ። ብተቐባልነት ረድኤት መግቢ ቀዳምነት ኮይኖም ኣብ ዝተትሓዙ ወረዳታት ዘሎ ዝርግሐ መግቢ ዝለዓለ ምምሕያሽ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ’ሎ።ኣብ ዝቕፅላ ኣዋርሕ ቁፅሪ ተሓገዝቲ ብፍርቂ ክንኪ ከምዝኽእል እውን ተገሊፁ’ሎ።

ኣብ ሕቡራት ሃገራት አተሓባባሪ ሰብአዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ (ኦቻ) ኣብ መጀመርያ’ዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ክልል ሶማል ዳየር ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣብ እዋን ዝናብ እኹል ዝናብ ብዘይምርኻቡ ኣብ 60 ቀበሌታት ብርቱዕ ጸገም ማይ ፈጢሩ’ሎ ኢሉ’ሎ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ምኽልኻል ሓደጋ ኣቶ ምትኹ ካሳ እቲ ቀረብ ማይ ኣብ ክልል ሶማል ጥራይ ኣይኮነን ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕ ኢትዮጵያ ቀረብ ማይ ብህጹጽ ከምዘድልይ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00

ኣብ ሕቡራት ሃገራት አተሓባባሪ ሰብአዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ኢትዮጵያ (ኦቻ) ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብዚ ምንባብ ይከአል።

XS
SM
MD
LG