ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወረዳ ኡሙሩ 5 ሓረስቶት ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወረዳ ኡሙሩ፣ ኣብ ስራሕ ማሕረስ ዝነበሩ ሓሙሽተ ሓረስቶት ብዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ነበርቲ’ቲ ከባቢ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጾም።

ብመሰረት’ቲ ዜና እቲ ቅትለት ዝተፈጸመ ዝሓለፈ ሰሙን 30 ግንቦት ከምዝነበረ’ውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ካብ’ቶም ግዳያት ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክኾኑ ከለው፣ ሓደ ካብ’ቶም ደቂ ተባዕትዮ ወዲ’ተን ዝተቐትላ ከምዝኾነ’ውን ዝመጸ ዜና ጠቂሱ።

ርእይቶ ዝሃቡ ሰባት ካብ’ቲ መጥቓዕቲ ሃዲሞም ከምዝምለጡ፣ እንተኾነ እቶም ዕጡቓት ንብርክት ዝበሉ ሰባት ጨውዮም ከምዝወሰዱ ገሊጾም። ካልኦት ድማ ኣብ ኦቦራ ዝባሃል ከተማ ኣዕቒቦም ከምዘለው ንድምጺ ኣመሪካ ዝሓበሩ ነበርቲ ገሊጾም።

ኣማሓዳሪ’ቲ ዞባ ኣቶ ኣብዲሳ ቀነኣ ኣብ ኡሙሩ፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝባሃል መጥቃዕቲ ብዕጡቓት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የለን ከምዝበሉ ወኪልድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ሪፖርት ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG