ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ምምህራን ፖለቲካዊ ሳይንስን ስትራተጂያዊ መፅናዕትን ዝኾኑ ኣቶ ገብረመድህን ገብረሚካኤልን ኣቶ ሰይፈ ሃይሉን ንኣጠቓላሊ ከይዲ መስርሕ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ 2007 ዓ/ም ተንቲኖምልና ኣለው።
ብዝተፈላለዩ ወገናትን ተነሓናሕቲ ፓርትታትን ዝቐርቡ ኣሰሓሐብቲ ነገራት እንተነበሩ እውን ብሓፈሻዊ ኣገላልፃ ዘዕግብ እዩ ክብሃል ይኽእል፤ሰላማዊ ምዃኑ እውን ፅቡቕ ነገር እዩ ክብሉ ነቲ ከይዲ ሓፈሻዊ ገምጋሞም ይህቡ።
ይኹን እምበር ይብሉ ንሳቶም ተነሓናሕቲ ፓርትታት መራፂ ህዝቢ ትፅቢት ዝገብረሎም መማረፂ ኣጀንዳታት ኣይቕረብሉን፤ገዛኢ ፓርቲ ቅድሚ ሎሚ ዝሰርሖም ከይተዓናቐፉን ክዕቀቡን ንዓይ ምረፁ ካብ ምባል ዘዘለለ፣ተቓውምቲ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ንዝሰርሖም ካብ ምግምጋም ወፃኢ ንቕድሚት ዝሰርሑዎም ጭቡጣ መደበኣት ኣየቕረቡን ይብሉ።ንኣድመፅቲ ኣገደስቲ ዝብሉዎም ዛዕባታት እውን ዘርዚሮም ኣለው።