ኢትዮጵያ እቲ ትኽክለኛ ኣንፈት ልምዓት ሒዛ ትጉዓዝ እንተሃለውት እውን እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ዝቕባበ ከምዝኾነን ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ድማ መንግስቲ ገንዘብ ክቕንስ ከምዘለዎን ኣብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ዲን ቤት ትምህርቲ ስነቁጠባ ዶ/ር ተክኤ ኣለሙ ኣፍሊጦም።
ከም ብዓል ሙያ ስነ ቁጠባ መሬት ብውልቂ እንተዝውነን ዝሓሸ ነይሩ ዝበሉ ዶ/ር ተክኤ እዚ ማለት ግን ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳይ ዋንነት መሬት ዝተሓላለኸ ስለዝኾነ ሚዛኑ ሓሊኻ ክርአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዕብየት ዘፈር ኢንዱስትሪ ንኣጠቓላሊ ዕብየት ወሳኒ እዩ ዝበሉ እቶም ብዓል ሙያ ኢንዱስቱሪ ንኽዓቢ ድማ ኣብዚ ሕዚ ኣብ መንጎ ናይ ውልቂ ዘፈርን መንግስትን ይርአ ዘሎ ዘይምትምማን ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም።ንምሉእ ትሕዝቱኡ የድምፁ።