ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብተግባር ህውከትን ዕግርግርን ተጠርጢሮም ዝተታሕዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ዜጋታት ስልጠና ተሃድሶ ክወሃቦም’ዩ ተባሂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ብተግባር ህውከትን ዕግርግርን ተጠርጢሮም ዝተታሕዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ዜጋታት ስልጠና ተሃድሶ ክወሃቦም’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኣፍሊጦም።

ኣቐዲሙ 9,800 ሰባት ካብ ማእሰርቲ ከምዝተለቑን ልዕሊ 2,400 ዝኾኑ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐርቡ ምውሳኑ ኮማንድ ፖስት ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ገሊጹ’ሎ።

ስለዚ ኣብ ካልኣይ ዙር ዝተታሕዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት’ውን ብተመሳሳሊ ስልጠና ተሃድሶ ክወሃቦም’ዩ።

ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኼስን ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ክፍሊ ህዝባዊ ርኽብን ሜድያን ኣቶ መሓመድ ሰይድ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝበልዎ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ዝተነበረሉ ዕላማ የዕወት’ሎ ካብቲ ዝተመደበሉ ጊዜ አቐዲሙ ክለዓል’ውን ይክእል’ዩ ኢሎም።

አቶ መሓመድ ሰይድ ብተወሳኺ 9,800 ሰባት ሰልጠንቲ ትምህርቶም ፈጺሞም ግቡእ ፍልጠት ሒዞም ናብ ሕብረተሰብ ተጸንቢሮም ኣለው። 2,449 ዝኾኑ ኸአ ብዝነበሮም መሪሕነት ተፈልዮም ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ ኩነታት’ሎ ዝተረፉ ልዕሊ 12 ሽሕ ትምህርቲ ተሃድሶ ወዲኦም ናብ ሕብረተሰብ ክጽንበሩ’ዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG