ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው ፖለቲካውን ቁጠባውን ፀገማት ንህልውና እታ ሃገር ንሓደጋ ኣቃሊዖምዋ ኢሉ መድረኽ


ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ዘለው ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት እንድሕር ዘይተፈቲሖም ናይታ ሃገር ህልውና ንሓደጋ ዝተቓልዐ እዩ ኢሉ ናይ ኢትዮጵያ ተቓዋሚ ፓርቲ መድረኽ።ካብ ሰላማዊ ናይ ቓልሲ ኣገባብ ወፃኢ ንዝኾኑ ውድባት ናብ ሰላማዊ ቓልሲ ክፅንበሩ’ውን ፀዊዑ እቲ ውድብ።

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት መደረኽ ዝሓለፈ ሰንበት 28 ሓምለ 2005 ዓ/ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሓይሊ መብራህቲ ኣብ ዝፀውዖ ህዝባዊ ኣኼባ ኣባል ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኢህወዴግ ንዝሓለፉ 22 ዓመታት ሰብኣውን ዴሞክራዊያን መሰላት ዜጋታት ኣየኽበረን ኢሎም።

ዶ/ር ነጋሶ ህዝቢ መሰሉ ንኽግበረሉ ስልዝሓተተ ንማእሰርቲ፣ንመውቃዕትን ንሞትን ተቓሊዑ ክብሉ ናይ ኣዋሳ፣ምርጫ 1997 ዓ/ ም ስዒቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝጠፍአ ህይወትን ካልኦትን ከም ኣብነት ጠቒሶም።ኣብ ቀረባ እውን ዜጋታት መሰሎም ስለዝሓተቱ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ ኣለው ኢሎም ዶ/ር ነጋሶ።

መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ጣልቃ ይኣቲ’ሎ፤ንዓመታት ካብ ዝነብሩሎም ከባቢታት ንሰባት የመዛብል ኣሎ ኢሎም ብምውሳኽ።’’ናይ ሃይማኖት ፀገም ኣሎ፤ጣልቃ ምእታው ኣሎ፤በዚ ምኽንያት ድማ ነገራት ካብ ኢድ እናወፁ እዮም።ሓደገኛ እዩ።ብሃይማኖት ዝመፅእ ሽግር ብቐሊሉ ጠጠው ክብል ኣይኽእልን።’’

ዶ/ር ነጋሶ ብምቕፃል መንግስቲ ንዜጋታት ካብ መጥቓዕቲ ዝሕልው ከይኮኑስ ንመጥቓዕቲ ዘሳጥሑ ሕግታት እናውፅአ ከምዝርከብ ብምግላፅ ሕጊ ፀረ ሽብር፣ናይ ማሕበራትን ረድኤትን ትካላት ሕጊ፣ናይ ፕሬስ ሕግን ዝኣመሰሉ ከም ኣብነት ጠቒሶም ዶ/ር ነጋሶ።

እዞም ሕግታት እዚኦም ይኹን ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝርከቡ ኣሰሓሐብቲ ሕግታት ክመሓየሹ ወይ ክውገዱ በዞም ሕግታት ተፈሪዱዎም ዝተኣሰሩ ድማ ንኽፍትሑ ሓቲቶም።እዚኦም ከይተፈትሑ እንድሕር ተሪፎም ኢትዮጵያ ከም ሃገር ምቕፃላ ኣብ ሕቶ ክኣቲ እዩ ኢሎም።
መንግስቲ ግን ነዞም ዝቐረቡ ኽስታት ብተደጋጋሚ ይነፅጎም።ካብ 1995 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ሕገ መንግስቲ ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒ ዴሞክራሲያዊ ከምዝኾነን መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ሃይማኖት ድማ ኣብ ጉዳያት ፖለቲካን መንግስትን ከምዘይኣትው ኣጥቢቑ ይከራኸር።

ፀረ ሽብር ሕግን ናይ ማሕበራትን ረድኤትን ሕግን ድማ ናይ ዜጋታት መሰልን ረብሓን ንምሕላው ዝወፁ እምበር ንፖለቲካዊ መራሕቲ፣ጋዜጠኛታት ወይ ንካልኦት ዜጋታት ንምዕፋን ዝወፁ ኣይኮኑን ክብል መንግስቲ ይከራኸር።
XS
SM
MD
LG