ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጋዜጠኛ ዳዊት በጋሻው ብሓይልታት ጸጥታ ምትሓዙ መሳርሕቱ ሓቢሮም


ጋዜጠኛ ዳዊት በጋሻው
ጋዜጠኛ ዳዊት በጋሻው

ኣብ ኢትዮጵያ መስራቲ ማሕበር ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓንን ኣባል ፈጻሚ ኮሚቴ`ቲ ማሕበርን ዝኾነ ጋዜጠኛ ዳዊት በጋሻው ትማሊ ኣብ ከተማ ባህርዳር ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተወስደ መሳርሕቱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።.

ኣብ ዝተፈላለያ ናይ ውሽጥን ወጻእን ሚድያታት ዝሰርሐን ኣብዚ እዋን`ዚ ኣራት-ኪሎ ሚድያ ዝተባህለ ዩቱብ ቻነል ዘዳሉን ዳዊት በጋሻው ንክፍታሕ ማሕበር ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ ጸዊዑ`ሎ።

ፕረዚደንት ማሕበር ሰብ-ሞያ መራከቢ ብዙሓን ጋዜጠኛ ጥበቡ በለጠ“ጸገም እንተሃልዩ`ውን ንከምኡ ዓይነት ጸገማት ንምፍታሕ ብዝቖመ ኮሚቴ መራኸቢ ብዙሓን ምፍታሕ`ምበር ንጋዜጠኛታት ምእሳርን ምክልባትን ኣብ ልዕሊ`ቲ ሞያ ከቢድ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ምፍጣሩ፡ ንምስሊ`ታ ሃገር`ውን ዝድውን`ዩ” ኢሉ።

ንሱ ትማሊ ኣብ ባህርዳር ተታሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወስደ ዳዊት በጋሻው ሎሚ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረበ`ውን ወሲኹ ሓቢሩ`ሎ። ፖሊስ፡ ህውከትን ረብሻን ብምልዕዓል ዝብል ክሲ ለንቅነ ንብርክት ዝበሉ ኣባላት መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ቀይዲ ከእቱ ምጽንሑ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG