ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኦሮሚያ ድሕሪ ሕጂ ኣብያተ እምነት ከምዘይፍርስ ገሊፁ


ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሸገር ዝካየድ ዘሎ ምፍራስ መስጊዳት ኣመልኪቱ ምስ ፕረዝደንት እቲ ክልል ሽመልስ ኣብዲሳ ንሓሙሽተ ሰዓታት ዝፀነሐ ዘተ ከምዘካየደ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ዘተ ዝተፈላለዩ ነጥብታት ከምዝተልዓሉ ዘመልከተ እቲ ቤት ምኽሪ፣ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ቃል ከምዝኣተወ ድማ ገሊፁ።

ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ሸገር ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና የልዕሉዎም ንዘለው ሕቶ መሳጊድ ንፕላን እታ ከተማ ኣብ ግምት ብምእታው ምላሽ ከምዝህብ ኣፍሊጡ። ፕረዝደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ድሕሪ ሕዚ ኣብቲ ክልል ምስ ማስተር ፕላን ዝፃብኡ ኣብያተእምነት እንተሊዮም፣ እቶም ትካላት ሃይማኖት ባዕልቶም ንኸፍርሱዎም ይግበር እንበር፣ ባዕሉ መንግስቲ ኣየፍርስን ብምባል ቃል ከምዝኣተው እውን ተገሊፁ ኣሎ።

ናይቲ ቤት ምኽሪ ፕረዝደንት ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፣ ኣብ ከተማ ሸገር ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ብርክት ዝበሉ መስጊዳት ከምዝፈረሱ ብምግላጽ፣ ሕዚ ግን ብዘተን ብልዝብን ፍታሕ ተረኺቡ ኣሎ ኢሎም።መግለጺ'ቲ ቤት ምኽሪ ምስ ምፍራስ መስጊዳት ተኣሳሲሩ ብዝተላዕለ ናዕቢ ዝተኣሰሩ ሰባት ብዘይምንም ኣፈላላይ ክፍትሑ ዘለዎ ትጽቢት ብምሕባር፣ ካብ ሕጂ ንደሓር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምስ ኣመራርሓ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ፌደራልን ዘተ ከምዝጅምር እውን ኣፍሊጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG