ደሴ —
ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ዝተወለዐ ግጭት ስዒቡ፣ ካብ ኮረም፣ ኦፍላን ዛታን ናብ ዋግ ህምራን ሰሜን ወሎን ዝተፈናቀሉ ሰባት፣ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዘይሰብኣዊ ድጋፍ ከምዝጸንሑ፣ ገሊኦም ኣብ ጎደናታት ይሓድሩ ከምዘለውን ገሊጾም።
ንክልተ ዓመታት ከንቲባ ኮረም ከምዝነበሩን ሎሚ ተፈናቃሊ ከምዝኾኑ ዝዛረቡ ኣቶ ብርሃኑ ሃይሉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል "ካብ ሰለስቲኤን ወረዳታት 22- ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ ከምኡውን ሕጽረት መግቢ ዘተሓሳስብ ደረጃ ምብጽሑን" ገሊጾም።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ዞባ ዋግ ህምራ ብወገኑ፣ ንብዙሓት ተፈናቀልቲ ከምዝተቀበለ፣ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብን ደርቂ ስለዘጋጠመን፣ ንተፈናቀልቲ ምሕጋዝ ከምዝተጸገመ ጠቂሱ ኣሎ።
ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስና መግቢን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፣ ነቶም ተፈናቀልቲ፣ መግቢ ይቅረበልና ንዝብል ሕቶ ተመዛበልቲ፣ ከምዝምልስ ኣፍሊጡ ።
ቅጥዒ