ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን መንግስትን ብዝተኻየደ ምልውዋጥ ተኹሲ  ኣርባዕተ ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ወረዳ ሱሮባርጉዳ ኣብ መንጎ ዕጡቓትን ወተሃደራት መንግስትን ብዝተኻየደ ምልውዋጥ ተኹሲ ሓደ ሲቪል ዝርከቦም ኣርባዕተ ሰባት ምቕታሎም ምምሕዳር`ታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ`ታ ወረዳ ኣቶ ጃርሶ ዱጎ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ ክልተ ሲቪላትን ክልተ ዕጡቓትን`ውን ቆሲሎም `ዮም። ኣቶ ጃርሶ ኣተሓሒዙ፡ ንባዕሉ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ኦነግ ሸኔ፡ ካብ ካልእ ከባቢ ከይተረፈ ናብቲ ቦታ ዘሊቑ ብምእታው ንሰባት ይቐትልን ከብቲ ይዘርፍን ኣሎ ክብል ይኸስስ።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብወገኑ፡ ንሲቪላት ከምዘየጥቅዕን ኣብ ምዕራብ ጉጂ ንዝወርድ መጥቃዕትን ጉድኣትን ተሓተቲ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ምዃኖምን ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG