ኣምቦ —
ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ከተማ ባቢሌ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዓርቢ፡ መራሕቲ እምነት 'ዋቄፌና' ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ኣመንቲ ብፖሊስ ምእሳሮም ሓላፊ`ቲ እምነት ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።
እቶም ሰባት ክእሰሩ ከለዉ ኣብ ኣኼባ ከም ዝነበሩ`ውን ጠቒሱ`ሎ። እቶም እሱራት ክሳብ ሎሚ ቤት ፍርዲ ከም ዘይቀረቡ ዝገለጸ ወኪል እቲ እምነት፡ ምምሕዳር `ቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ እምነት ዋቄፈና ተጽዕኖ ይፈጥሩ ኣለዉ ክብል ከሲሱ`ሎ።
ምምሕዳር ከተማ ባቢሌ ብወገኑ፡ "ምስ ሃይማኖት ብዝተተሓሓዘ ኣብ ቐይዲ ዝወዓለ ኣካል የለን" ክብል ነቲ ክሲ ነጺግዎ`ሎ።
ቅጥዒ