ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝተመሓየሸ ሕርሻዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ኢትዮጵያ ፍሪያትን ኣፍራይነትን ክውስኽ ሓጊዙ ይብል ሓደ መፅናዕቲ


ቦምባ ካልድ
ቦምባ ካልድ

ዝተመሓየሸ ሕርሻዊ ቴክኖሎጂ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምህርትን ኣፍራይነትን ንምውሳኽ ሓጊዙ ይብል አብዚ ሰሙን'ዚ ዝወፀ መፅናዕቲ ኤጀንሲ ትራንስፎርመሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ። እቲ ኤጀንሲ ብመፅናዕትን ምርምርን ዝተረኸቡ ሙሩፃት ዘርኢ፣ዱኽዒን ካልኦት ኣታዊታትን ብምስፍሕፋሕ ለውጢ ምርካቡን ነቲ ሓረስታይ ብቐጥታ ተረባሒ ዝገበሩ ምዃኖምን ናይቲ ኤጀንሲ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣቶ ካሊድ ቦምባ ንቪኦኤ ገሊፆም ኣለው።

ካብ ዝጣየሽ ኣርባዕተ ዓመት ዝገበረ ኤጀንሲ ትራንስፎርመሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ ዘካየዶ መፅናዕቲ 110 ገፅ ዝሓዘ ሪፖርት ኣውፂኡ’ሎ። ንአሽቱ ሓረስቶትን ፍሪያቶምን ኣፍራይነቶምን ንምዕባይን ምስ ዕዳጋ ብምትእስሳር እቲ ሓረስታይ ዝሓሸ ዕዳጋ ክረክብን ሓጊዙ’ሎ ኢሎም ኣቶ ኻሊድ።

‘’ፀገማት ዘርኢ፣ዱኽዒ፣ምርምር ኤክስተንሽንን ብምፅናዕን መፍትሒ ብምቕማጥን ፅቡቕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ’’ ዝበሉ ኣቶ ኻሊድ ብምቕፃል ‘’ምጡን ዱኽዒ ዝብሃል ዝተኣታተወ ሓድሽ ኣሰራርሓ፣ጣፍ ብመስመር ኣብ ምዝራእ ዝተርኣየ ዓብዪ ምዕባለ በዚ ኤጀንሲ ዝተሰርሐ እዩ’’ኢሎም።ምስ ዕዳጋ ኣብ ምትእስሳር እውን ብዙሓት ሓረስቶት ንቢራ ዝኸውን ስገም ከምርቱን ምስቲ ኢንዱስቱሪ ክተኣሳሰሩን ዓብዪ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ ኢሎም።

ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ርክብ ብምፍጣር ንደቡብ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ዝልኣኽ ብኢትዮጵያዊያን ሓረስቶት ዝተመርተ ብፅቡቕ ዋጋ ምሻጥ ተጀሚሩ’ሎ ኢሎም ብምስዓብ ኣቶ ካሊድ።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ሕርሻ ዝድለ ለውጢ ንምምፃእ ናይ መሓውር ምምሕያሽ የድሊ እዩ ዝበሉ ኣብ ባንኪ ዓለምን ካልኦት ትካላትን ን30 ዓመታት ዝሰርሑ ክኢላ ስነቁጠባ ኣቶ ኣክሎግ ቢራራ ንድሕሪት ዝተረፈ ወይ ድማ ብዙሕ ምህርቲ ንዘይርከበሉ ኽፋል ቁጠባ ዘመናዊ ምግባር እዩ መሓውራዊ ለውጢ ማለት ክብሉ ኣብ ህንዲ ንዝተኻየደ መሓውራዊ ለውጥን ውፅኢቱን ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ምስግጋር ሕርሻ ኢትዮጵያ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:41 0:00

XS
SM
MD
LG