ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ኵናት ክልል ትግራይ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ዝተነብረ እገዳ ኣሓዲሱ


ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ - ዋይትሃውስ
ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ - ዋይትሃውስ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ እዋን ኵናት ክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ውልቀ- ሰባት ዝተነብረ እገዳታት ፈፃሚ ትእዛዝ መሊሶም ኣሐዲሶምዎ።

ባይደን 6 መስከረም 2024 ንኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ዝህቢን ፕረዚደንት ሰነትን ኣብ ዝፀሓፉዎ ደብዳበ እቲ ትእዛዝ መጀመሪያ ክወፅእ ዝደረኹ ኩነታት ኣይተለወጠን ይብል።

ብዋይት ሃውስ ዝወፀ ደብዳበ "እቲ ንሰላም፣ ድሕነትን ርግኣትን ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ድማ ንሰፊሕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ንሃገራዊ ድሕነትን ፖሊሲ ወፃኢን ኣመሪካ ፍልይ ዝበለን ዝዓበየን ስግኣት ኮይኑ ቀፂሉ ኣሎ’’ ይብል።

እቲ ደብዳበ "ስለዚ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ዝተኣወጀ ሃገራዊ ህፁፅ ኣዋጅ ፈፃሚ ትእዛዝ 14046 ክቕፅል ወሲነ ኣለኹ’’ ይብል ።

ፈፃሚ ትእዛዝ 14046 ግጭት ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ተዋጋእቲ ክልል ትግራይን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ዝነበረሉ 17 መስከረም 2021 እዩ ተፈሪሙ።

እቲ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ጥሕሰታት ሰብኣዊነትን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተተሓሕዘ ኢድ ኣለዎም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ወልቀሰባት እገዳ ዘንበረ እዩ።

ብመሰረት እቲ ናይ መጀመርታ ትእዛዝ ብቤት ዕዮ ኣመሪካ ክውሰድ ዝተኣዘዘ እገዳታት ንኹሉ ንብረትን ረብሓን እገዳ ዝተገብረሉ ሰብ ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ከይምውል፣ ቪዛ ከይረክብ፣ ፍቓድ ንግዲ፣ ሓገዝ ከይረክብን ዝብሉ ገለ ካብቶም ስጉምትታት ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG