ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ወሰኽ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ፀጋን ፀገምን ባእታታት ኣለዉዎ” ተባሂሉ


ቁፅሪ ህዝቢ ዕለማና 7 ቢልዮን ከምዝበፀሐ ዕላዊ ኣብ ዝኾነሉ ጥቅምቲ 31 ፍርቂ ለይቲ ኣብ ኢትዮዽያ ዝተወለዱ ቆልዑ ክካየደሎም ዝቐነየ ፅምብል ልደት ትማሊ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ተዛዚሙ።

ኣብ ኢትዮዽያ ትካል ስነ ህዝቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት(UNFP) ኣብ ዝንቀሳቐሰለን ከባብታት ማለት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ትግራይ፣ኣምሓራ፣ኦሮምያ፣ደቡብን ዓፋርን ኣብቲ ዕለት ዝተወለዱ ሕንጠያት ሸሊሙ እዩ።

እቶም ህፃውንቲ ካብቲ ትካል ክዳውንቲ፣ወርቅን ናይ 10 ሽሕ ቦንድ ብወለዶም ኣቢሎም ተቐቢሎም ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮዽያ ተወካሊ እቲ ትካል ቤንዋ ካላሳ “ወሰኽ ቁፅሪ ህዝቢ ዓለም ፀጋን ፀገምን ባእታታት ኣለዉዎ። እዚ ድማ በዝሒ ህዝቢ ንባዕሉ ሓይሊ እዩ ኮይኑ ግና ብፍላይ ምስ ድኻታት ሃገራት ስለዘይኸይድ ናብ ተግባራዊ ስራሕ ክንኣቱ የኽእለና። እዚ ቀሊል ኣይኮነን ኮይኑ ግና መፍትሒ ኣለዎ። ምጣነ ስድራ ተግባራዊ ንምግባር ናይ ባህሪ ለውጢ ክመፅእ ኣለዎ” ኢሎም።

እቲ ኣብ ኢትዮዽያ ኣብቲ ዕለት ዝተወለዱ ቆልዑ ፅምብል ልደቶም ንምኽባር ኣብ 6 ክልላት ክካየድ ዝቐነየ ስነ ስርዓት ተዛዚሙ ኣሎ። እቲ ዋኒን ግና ቀፃሊ እዩ።

“እቲ ሎማዓንቲ ልደቱ ዝኽበር ዘሎ ማማይ ዓብዩ፣ ናብ ቤት ትምህርቲ ኸይዱ ተማሂሩ ስራሕ ረኺቡ፣ ወላዲ ኾይኑ ክንርእዮ ኣለና።” ኢሎም ቤንዋ ካላሳ።

XS
SM
MD
LG