ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ሓድሽ ዙር መጥቓዕቲ ከፊቶም


ሰራዊታት ኢትዮጵያን ሶማልያን
ሰራዊታት ኢትዮጵያን ሶማልያን

ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ወታደራት ሱማሊያ ብምዃን ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ ወታደራዊ መጥቓዕቲ የካይዲ ከምዘለው ተፈሊጡ።ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ወታደራዊ ወፍሪ ይሳተፍ ዘሎ ኣብ ትሕቲ ፅላል ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱማሊያ /ኣሚሶምን/ ብተወሳኺ ሓይልታትን እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኣሚሶም 4395 ወታደራት ምውፋራ ሓበሬታ ምንስቴር ምክልኻል ይገልፅ።ኣብዚ ናይ ሎሚ ወፍሪ ይሳተፍ ዘሎ ተወሳኺ ሓይሊ ክንደይ ከምዝኾነ ግን ኣይተገለፀን።

ኣብ ከባቢታት በይንን ጌዶን ይካየዶ ዘሎ መጥቓዕቲ ብኣየርን ምድርን ዝተደገፈ ምዃኑ ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ወፍሪ ኣሸባሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ካብ ዝተሓብአሎም ናይ ገጠር ከባቢታት ሓዊሱ ንምድምሳስ ዝዓለመ እዩ ተባኢሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG