ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ ህወሓት ሙሉዕ ዓወት ኣመዝጊቡ ተቃውምቲ ግን ይነፅግዎ


ድህረ-ምርጫ ሃንቀውታ ንውፅኢት መረፃ ኢትዮጵያ 2002
ድህረ-ምርጫ ሃንቀውታ ንውፅኢት መረፃ ኢትዮጵያ 2002

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብገፊሕ ኣፈላላይ ክዕወት ከሎ ተቃወምቲ ግና ከቢድ ዓፈናን ምንክልባትን ኣጋጢሙና'ዩ ይብሉ

ተቃወምቲን ገዛኢ ፓርቲን ኣብ ትግራይ ዝረኽብዎ ውፅኢት ምርጫ ብዝምልከት ሓላፊ ቦርድ ምርጫ ትግራይ ኣቶ ወንድም ጎላ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፡ኣብ ትግራይ 7 ፖለቲካ ውድባት ማለት ህወሓት/ኢህወዴግ፡ዓረና/መድረክ፡መኢኣድ፡ኢዴፓ፡ ቅንጅት፡ዴፍዲኣግን ኢራፓን ብደረጃ ክልል ሓደ ናይ ውልቂ-ተወዳዳሪ ድማ ኣብ መቐለ ከምዝተወዳደሩ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ 152 መናብር ኣለዎ፡ህወሓት ዘቅረቦም ሕፁያት ንኩሉ መናብር ከምዝሓዙዎን፡ናብ ፈደራላዊ ቤት ምኽሪ ንውድድር ዝቐረበ መናብር ካብ ትግራይ 32'ዩ ኢሎም ኣቶ ወንድም ጎላ።

ብደረጃ ክልል ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ምርጫ'ውን እንተኾነ ቀዳማይ ህወሓት፡ካልኣይ ዓረና-ትግራይ፡ሳልሳይ መኢኣድ ኮይኖም ነቲ ውድድር ዛዚሞምዎ።ኩሉ መናብር ፈደራላዊ ቤት-ምኽሪ ግና ኣብ ኢድ ህወሓት ኣትዩ'ሎ።

ኣብ'ተን ሓያል ንሕንሕ ክራኣየለን'ዩ ዝተባሃላ ከባቢታት ዝተመዝገበ ውፅኢት ንክገልፁ ዝተሓተቱ ኣቶ ወንድም ጎላ፡ኣብ መቀለ ወኪል ህወሓት 64,341 ወኪል ዓረና/መድረክ 6,843፡ኣብ ተምቤን ወኪል ህወሓት 53,765 ወኪል ኣንድነት/መድረክ 3,314፡ኣብ ኣኽሱም ወኪል ህወሓት 67,662 ወኪል ዓረና/መድረክ 621 ኣብ ዓድዋ ወኪል ህወሓት 41,216 ወኪል ዓረና/መድረክ 229 ድምፂ ረኺቦም ኢሎም።


እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ ከይዲ መረፃ ኢትዮጵያ ብደረጃ ፓርቲ ኣይተገምገመን ኢሎም ዘረበኦም ዝጀመሩ ኣባል ኣመራርሓ ዓረና-ትግራይ ኣቶ ብርሃኑ በርሀ፡ከይዲ'ቲ መረፃ ዓበይቲ ሽግራት ከምዝነበሮ ንተኣማመን ኢና ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ሕፁያት ገዛኢ ፓርቲን ተቃወምቲን ስለምንታይ ሰፊሕ ኣፈላላይ ተኽሲቱ ንዝብል ሕቶ ኣቶ ብርሃኑ ክምልሱ ከለው-ኣብ'ቲ ምርጫ ሰፊሕ ዓፈና ስለዝነበረ፡ኣብ ልዕሊ ተወዳደርቲና ሰፊሕ ፀቅጢ ተፈጢሩ'ዩ፡ኣብ ልዕሊ መረፅቲ'ውን ተመሳሳሊ ፀቅጢ ተፈጢሩ'ዩ ኢሎም።

ንተቃወምቲ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ'ዮም ዝብል ጎስጛስ ስለዝተገብረ፡ከም መናሓንሕንቲ ዘይኮነስ ከምሓደ ፅላኢ'ዩ ብመንግስቲን ገዛኢ ፓርቲን ይስራሓሉ ነይሩ ኢሎም ኣቶ ብርሃኑ በርሀ።

ወካሊት መኢኣድ ኣብ ትግራይ ው/ሮ መሰሉ ረዳ ብወገነን፡ፕረዚደንት መኢኣድ ኢንጂነር ሃይሉ ሻውል እቲ ምርጫ ኣብ ገለ ከባቢታት ንክድገም ንዘቅረብዎ ለበዋ ይቅበሎ'የ ምኽንያቱም፡መረፅቲ ናፃ ክይኖም ዘድምፅሉ ስፍራ"ኻ ዘይረኸብሉ ኩነታት"ዩ ነይሩ፡ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ ተዓዘብትና ተባሪሮምን ተኣሲሮምን'ዮም ኢለን።

XS
SM
MD
LG