ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ኢትዮዽያ ንውዕል ስምምዕነት ናይል ኣፅዲቁ


ፓርላማ ኢትዮዽያ
ፓርላማ ኢትዮዽያ
ፓርላማ ኢትዮዽያ ነቲ ንግብፅን ሱዳንን ብሉፅ እጀታ ዝፈቀደመግዛእታዊ ውዕል ዝትክእ ኣሳሓሓቢ ውዕል ኣሕሊፍዎ።

እቲ ቤት ምኽሪ፣ብ547 ሙሉእ ድምፂ’ዩ ሎሚ ሓሙስ ነቲ ውዕል ተቀቢሉዘፅደቀ፣ ኢትዮዽያ፣ ብምኽንያት ገዚፍ ግድብ ህዳሴ ምስ ግብፂ ኣብ ትሳሓሓባሉ እዋን’ዩ።

እቲ ናይ ሎሚ ውሳነ፣ኢትዮዽያ ሻድሸይቲ ንውዕል ምትሕግጋዝ ናይል ዝተቀበለት ከምዝገበራን፣ እቲ ውዕል፣ኣባል ሃገራት ንፕሮጀክታት ናይል ዝከታተል ሓደ ኮምሽን ንክቀውም ይፅውዕ።

ዛጊድ ሩዋንዳ፣ቡሩንዲ፣ኬንያ፣ታንዛንያን ኡጋንዳን ንውዕል ምትሕግጋዝ ናይል ፈሪመን ተቀቢለን‘የን።ግብፂ፣ኮንጎ፣ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ገና ኣይተቀበለኦን ዘለዋ።

ዝበዝሕ ማይ ናይል ካብ ኢትዮዽያ‘ዩ ዝምንጩ።ብመሰረት ባዕዳዊት ገዛኢት ዝነበረት እንግሊዝ ዝተዳለወ ውዕል ግና፣ግብፅን ሱዳንን‘የን ክጠቀማሉ ተፈቂዱለን።እቲ ነባር ውዕል ግብፂ 87 ሚእታዊ ብፅሒት ናይል ክትጥቀመሉ ፈቂዱላ‘ዩ።
XS
SM
MD
LG