ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሰልፊ ክተካይዱ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉዎም ንሰለስተ ፖለቲካዊ ፓርትትታ


Addis Ababa - City Council
Addis Ababa - City Council
ካብ ዝቕፅል ሰንበት ጀሚሩ ንተኸታታሊ ሰለስተ ሰሙናት ብሰለስተ ተቓወምቲ ፓርትታ ንዝካየዱ ሰልፍታት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣፍልጦ ሂቡ።እቶም ሰልፍታት ኣብ ኣዳባባይ መስቀል ከምዘይካየዱ ግን ሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ቤት ፅፈት ጉዳያት ካብኔትን ቤት ፅሕፈት ከንቲባን ኣቶ ኣሰጊድ ጌታቸው እቲ ምኽንያት ህንፀት መሰረተ ልምዓት ይካየድ ብምህላዉ እዩ ኢሎም።
12 መስከረም 2006 ዓ/ም ሰማያዊ ፓርቲ፣19 መስከረም ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ከምኡ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ራእይ ፓርቲ ዝፀውዖ ካሊእ ሰላማዊ ሰልፊ 16 መስከረም 2006 ዓ/ም ክካየዱ እዮም።ናይ ሰለስቲኦም ፓርትታት ሕቶ ተቐባልነት ምርካቡ እውን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሎማዕንቲ ኣፍሊጡ’ሎ።

ሰለስቲኦም ፓርትታት ናይ ሰልፍታቶም መወዳእታ ክኸውን ዝመረፅዎ ኣደባባይ መስቀል እንተኾነ’ውን ኣብ ኣደባባይ መስቀል ይካየድ ብዘሎ ምዝርጋሕ ሃዲድ ባቡርን ብሓፈሻ ኣብታ ከተማ ይካየዱ ብዘለው ህንፀት መሰረተ ልምዓትን እቲ ቦታ ንሰልፊ ተመራፂ ኣይኮነን ኢሎም ኣቶ ኣሰግድ ጌታቸው።

ንሓለዋ ምቹው ኣብ ዝኾነ ኣብ ጃን ማይዳ ወይም ኣብ ዘቕርብዎ ካሊእ መማራፂ ቦታ ከካይዱ ከምዝኽእሉ ኣቶ ኣሰግድ ብስልኪ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ሓቢሮም።

ብመንግስትን ብኻልኦትን ትካላትን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ኣብቲ ከባቢ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርትታት ግን ዝተውሃበ ምኽንያት ኣይተቐብሉዎን።

ሰማያዊ ፓርቲ እቲ ሰልፊ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ክነካይዶ ኢና ኢሉ’ሎ።

ኣቦ መንበር ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ እቲ ሰልፊ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ንምክያድ ከምዝደልዩን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ ውሳነ እውን ፓርቶም ይዘራረበሉ ከምዘሎን ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ኢትዮጵያ ራእይ ፓርቲ እውን ኣብ መስቀል ኣደባባይ ንምክያድ ከምዝደልን ምስ ምምሕዳ ኣዲስ ኣበባ ምዝርራቡ ከምዝቕፅልን ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣቶ ተሻለ ሰብሮ ገሊፆም ኣለው።
XS
SM
MD
LG