ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ዝተባባዕ እዩ ኢሎም


ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሸሙ ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ “ፍትሒ ንኹሉ Prison Fellowship” ዝተባሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዓዲምዎም እዮም ናብ ትግራይ ንሰለስተ ማዓልታት ዑደት መፅዮም

ብመሰረት እዚ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ናብ ዝርከብ ቤት ህንፀት ብምኻድ ምስ ሓለፍትን ታሃነፅትን ኣውጊዖም። “ታሃነፅቲ ሞያዊ ክእለት ረኺቦም ክሰርሑ ዳሓር ካብቲ ቤት ህንፀት ምስ ወፁ ናብ ንግዲ ወፊሮም ዓርሶም ንክኽእሉ ዝሕግዞም ዋኒን ይስራሕ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካልን መንግስቲ ትግራይን ነቲ ቤት ህንፀት ንምልዋጥ ዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ ልዑል ምዃኑ ዘመላኽት እዩ” ኢሎም ኣምባሳደር ቡዝ።

ኣምባሳደር ቡዝ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ መስፍን ኢንዳስቱሪ ኢንጅነሪንግ ከምኡ እውን ኣብ ኩይሓ ዝርከብ ፋብሪካ ዓለባ ተዘዋዊሮም ሪኦም። ከምኡ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስን ኣብ ሓወልቲ ሰማእታትን ዝርከቡ ኣብያተ መዘክር እውን ሪኦም ታሃዲሶም እዮም።

ኣብቲ ፋብሪካ ዓለባን ኣብ ካልኦት ኣፍረይቲ ትካላት ኢትዮዽያ ዝፈርዩ ምህርቲ ኣብ ኣሜሪካ ዕዳጋ ክረኽቡ መንግስቶም ፃዕሪ ከምዝገብር ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ቡዝ ናብ ክልተ ኣውላዕሎ ብምኻድ ብሓገዝ ኣሜሪካዊ ተራድኦ ዝስራሕ መደብ ሴፍቲኔትን ካልኦት መደባት ልምዓትን ሪኦም ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ዝተባባዕ እዩ እንትብሉ ርኢቶኦም ሂቦም።

XS
SM
MD
LG