ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ትግራይ፡ ምፍታሕ ስበ-ስልጣን ደርግ ነበር፡ ካልእ ናዕቢ ክውልዕ ይኽእል`ዩ ተባሂሉ


ን ሕጊ ዘይፈልጡ ሰባት ይቕረታ ይገበረሎም ማለት፡ እቲ ተረሲዑ ዝነበረ፡ እቲ ኣብ ሰላም ዘሎ ህዝቢ እንደገና ናብ ሽግር ምውዳቕ ማለት`ዩ ይብሉ ሓደ በዓል-ጸጋ ዕድመ

ኣይተ ግርማይ መንገሻ፡ ሓደ ካብ`ቶም ካብ ዘመነ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣትሒዞም ኩነታት ዝረኣዩ ሓደ`ዮም። ይቕረታ ሂብካ ንዓታቶም ናብ ሕበረተሰብ ምምላስ ፡ ናብ ሕነ-ምፍድዳይ ምምላስ ዝዕድም`ዩ ይብሉ። ደቁ ወይ ካልእ ኣባል ስድራቤቱ ዝተቐትሎ ሰብ ምስረኣዮም ናብ ካልእ ስጉምቲ ክኣቱ ይኽእል`ዩ ይብሉ ኣይተ ግርማይ።

ኣተሓሒዞም፡ መንግስቲ ነቲ ጉዱእ ህዝቢ ክሰምዕ ኣለዎ፡ እቲ ምፍታሕ ዝብል ህዝቢ ኣሚንሉ እንተኾይኑ ግን፡ መንግስቲ ካብ ውሳነ ህዝቢ ንላዕሊ ክኸውን ስለዘይክእል ክትግብሮ ኣለዎ ይብሉ።

ንምሉእ ቃለ-መጠይቕ ግርማይ ገብሩ፡ ነዚ ምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG