ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞት ኣዴታት ንምንካይ ዝሐሸ ኣማራፂ ኣብ ትግራይ


ኣብ ዓለምና ንሞት ኣዴታት ጠንቂ ካብ ዝኾኑ ዘለዉ እቲ ሓደ ድሕሪ ሕርሲ ዘጋጥም ምፍሳስ ደም እዩ። ጠንቅታት ሞት ኣዴታት ተነፂሮም ካብ ዝፍለጡ ልዕሊ 40 ዓማውቲ ኣቑፂሩ ኣሎ። እቲ ዝውሰድ ዘሎ ፍታሕ ግና ስሉጥ ኮይኑ ኣይተረኸበን። ከም መብርሂ ዶ/ር ኣማኑኤል ገሰሰው እንተደኣ ኾይኑ እቲ መፍትሒ ተባሂሉ ዝጠቐመጠ መይላ ምስ ነባራዊ ኩነታት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ኣይሳነን።

ዶ/ር ኣማኑኤል ኣብ ከተማ መቐለ ናይ ዝረከብ ቃልኪዳን ማእኸል ሕክምና ማህፀንን ሕርስን ዋናን ላዕላዋይ ክኢላን እዮም።

“ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጓንፍ ሞት ኣዴታት ንምንካይ ከም ዝሐሸ ፍታሕ ዝውሰድ ኣዴታት ናብ ማእኸላት ሕክምና ከይደን ከሕርሳ ምግባር እዩ። እዚ ኣብ ዝሃፍተሙ ሃገራት እምበር ኣብ ከም ኢትዮዽያ ዝበላ ሃገራት ዝሰርሕ ኣይኮነን። ኣብ ኢትዮዽያ ሽዱሽተ ሚእታዊ ኣዴታት ጥራሕ እየን ኣብ ማእኸላት ጥዕና ከይደን ዝወልዳ” ይብሉ ዶ/ር ኣማኑኤል።

እዚ እንተኾይኑ ድማ ኣዴታት ኣብ ገዘአን እንትወልዳ እንተለዋ ብዘይ ክኢላ ባዕለን ዝወስደኦ መድሕኒት እዩ ዘድልየን እንትብሉ እቶም ክኢላ የብርሁ። ኣዴታት ሽዑ ንሽዑ ምስ ወለዳ ዝወስደኦ መድሕኒት ድማ ኣሎ, Misoprostol ይባሃል።

እዚ ፈውሲ እዚ ግና ዝማዕበላ ሃገራት ስለዘይጥቀማሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝርዝር እቶም ልዑል ጥቕሚ ኣለዎም ዝበሃሉ ኣፋውስ ኣይመዝገቦን ።

ዶ/ር ኣማኑኤል ኣብ ትግራይ ኣብ ተምቤን ኣብ ሓደ ሽሕ ደቀንስትዮ ኣብ ዘካየድዎ መፅናዕትን ፈተነን እቲ መድሓኒት መተካእታ ዘይብሉ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ብቐሊሉ ይግዛእ፣ዝተፈለየ ፍልጠት ኣይሓትትን፣ብኣፍ ይወሓጥ በዚ ኣቢሉ ድማ ድሕሪ ሕርሲ ምፍሳስ ደም ጠጠው ኣቢሉ ሞት ዝንኪ ኮይኑ ኣሎ።

ስለዚ ዶ/ር ኣማኑኤል ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ መድሕኒት ኣብ ዝርዝር እቶም ልዑል ኣድላይነት ዘለዎም ዝበሃሉ ኣፋውስ ክምዝግቦም እሞ ሃገራት ክጥቀማሉ እዮም ድፍኢት ዝገብሩ ዘለዉ። ነዚ ንምግባር ድማ ዝሓለፉ ቅንያት እቲ ውድብ ኣብ ጋና ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ተረኺቦም ምስ ዝለዓሉ ሰብ ሞያ እቲ ውድብ ተዛትዮም እዮም።

ውድብ ጥዕና ዓለም ነቶ ፈውሲ ይመዝግቦ ኣይመዝግቦ ብዘየገድስ ውፃኢታዊ ኮይኑ ስለዝተረኸበ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮዽያ ተቐቢሉ ተግባራዊ ይገብሮ ኣሎ ኢሎም ዶ/ር ኣማኑኤል።

XS
SM
MD
LG