ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ኢትዮዽያ ንዝማረኸቶም ወትሃደራት ኤርትራ ኣፋንየዮም’ ትብል


Ethiopia & Eritrea
Ethiopia & Eritrea
መንግስቲ ኢትዮዽያ ኣብ‘ዚ ቅነ‘ዚ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣትዩ ኣብ ዝፈነዎ መጥቃዕቲ ማሪኸዮም ንዝበሎም ወትሃደራት ኤርትራ ናብ ዓዶም ከምዘፋነዎም ገሊፁ።ኣብ ከይዲ‘ቲ መስርሕ፣ዓለም-ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል‘ውን ከምዝተሳተፈ ኣፍሊጡ‘ዩ።

ሓላፊ ክፍሊ ርክብ‘ቲ ቤት ፅሕፈት ኣቶ ዘውዱ ኣያሌው ”ዓለም-ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ንኤርትራውያን ምሩኻት ናብ ዓዶም ኣብ ምፍናው፣ማሕበር ቀይሕ መስቀል ተራ ኣይነበሮን ዝብል‘ዩ።እቶም ምሩኻት ብመንግስቲ ተኣሲሮም ከለው ግና፣በፂሕናዮምን ኣዘራሪብናዮም ኢና።

ኣብ‘ዚ ጉዳይ‘ዚ ተወሳኺ መብርሂ ንምርካብ ንኣቶ ጌታቸው ረዳ ግና፣ማሕበር ቀይሕ መስቀል ካብኡ ዝሓለፈ ተሳትፎ ክህልዎ ኣይልእልን። እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ 68 ወትሃደራት እንተኾኑ ዓዶም ክኣትው ተገይሩ‘ዩ።ሸውዓተ ግና ፖለቲካዊ ዕቁባ ሓቲቶም‘ዮም ኢሎም።

ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:31 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG