ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮ-ቴሌኮም 28 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ምርካቡ ገሊጹ


ይዛዘም ኣብ ዘሎ ናይ 2008 ዓ/በጀት ዓመት 28 ቢሊዮን ብር ኣታዊ ምርካቡ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ።ካብዚ እቲ 69 ሚእታዊ ካብ ኣገልግሎት ተንቀሳቓሲ ስልኪ ዝተረኽበ ምዃኑ ንቪኦኤ ኣብ ዝልኣኾ መግለፂ ሓቢሩ።ልዕሊ 19 ቢሊዮን ብር ዘይተፃረየ ትርፊ ምዃኑ እውን ተሓቢሩ’ሎ።

ካብ ዓመት ናብ ዓመት ኣገልግሎቱ እናወሰኸ ኣታዊኡ እውም ብኡ መጠን እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሓበረ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣታዊኡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነፃፀር ከሎ ብ30 ምእታዊ ዓቢዩ’ሎ።

ዓለምለኸ ኩባኒያታት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቴሌኮም ኣገልግሎት ከይህቡ መንግስቲ ዝኽልክል ዘሎ ከምዚ ዝበለ ዝለዓለ ትርፊ ስለ ዘለዎ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው ይብል ፀብፃብ እስክንድር ፍሬው።

XS
SM
MD
LG