ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞባይልን ኢንተርኔትን ዘሎ ፀገም ዝፍታሕ ይካየድ ዘሎ ናይ ምስፍሕፋሕ ፕሮጀክት እንትዛዘን እዩ ኢሉ ኢትዮ-ቴሌኮም


አቶ አብዱራሂም ሞሐመድ - የኢትዮ-ቴሌኮም ኮርፖሬት ኮምዩኒኬሽንስ ኃላፊ
አቶ አብዱራሂም ሞሐመድ - የኢትዮ-ቴሌኮም ኮርፖሬት ኮምዩኒኬሽንስ ኃላፊ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣገልግሎታት ሞባይል ስልክን ኢንተርኔትን ይርአ ዘሎ ናይ ኔትወርክ ፀገም ብዘላቕነት ክፍታሕ ዝኽእል ይካይድ ዘሎ ናይ 1.6 ቢሊዮን ዶላር ናይ ምስፍሕፋሕ ፕሮጀክት ክዛዘም ከሎ ምዃኑ ኢትዮ-ቴሌኮም ኣፍሊጡ።

ናይ ሞባይል ፅረየት ሽግር በብግዚኡ ክልዓል እንተፀንሐ እውን ኣብ ቀረባ ብፍላይ ድማ ንኽልተ ማዕልታት ኣዝዩ ብኢስዎ ነይሩ።

ተገልገልቲ ከማርሩን እቲ ኩነት ንክቕየርን ክሓቱ ፀኒሖም እዮም።ብሕታዊ ወሃቢ ኣገልግሎትን መንግስታዊ ትካልን ኢትዮ-ቴሌኮም ከምዝብሎ ግን ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ዓይነት ሽግራት ኣለው።

ናይቲ ትካል ኣካያዲ ስራሕ ኮምኒኬሽን ኮርፖሬት ኣቶ ኣብዱራሂም መሓመድ ናይ ኣገልግሎት ፅረየት ሽግር ዘለዎም ተፈሊዮም ዝፍለጡ ክልተ ካባቢታት ኣዲስ ኣበባ ኣለው ኢሎም።

ኣብዞም ክልተ ካባቢታት ዘለው ፀገማት ዝኣረገ ኔትዌርክን ኣብ ዝተረፉ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ድማ ብምቁራፅ ኣገልግሎ ሓይሊ መብራህቲ ኣብዝተዘርግሑ ናይ ስልኪ መስመራት ምቁርራፅን ተመሳሳሊ ምኽንያታትን ናይ ፅርየት ሽግር እናጋጠመ እዩ ኢሎም።ኣቶ ኣብዱርራሂምብምስዓብ ‘’እቲ ካሊእ ምኽንያት ድማ ኮንጀሽን ወይ ድማ ምጭንናቕ ኢልና እንፅውዖ እዩ’’ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሙስ ድሕሪ ስዓትን ዓርቢ ቅድሚ ስዓትን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልኪ ምዝራብ ብዛዕባ ዘይተኽኣለሉ ኣጋጣሚ እንትምልሹ ድማ ይርኣዩ ንዘለዎ ሽግራት ብዘለቕነት ንምፍታሕ፣ ተበፃሕነት ንፍስፋሕን ሓድሽ ቴክኖሎጂ ንምእታውን እናተሰርሑ ዘለው ናይ ምስፍሕፋሕ ስራሕቲ ምኽንያት እዮም ኢሎም።

በቲ ይካየድ ዘሎ ናይ ምስፍሕፋሕ ፕሮጀክት ናይ ኣዲስ ኣበባ ፀገም ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፣ኣብ ክልላት ድማ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንምዝዛምን ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።ቁፅሪ ተገልገልቲ ሞባይል ናብ 59 ሚሊዮን ንምዕባይን ደረጃ ቴክኖሎጂ ድማ ብፍላይ ናይ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ዘለዎ 3G ናብ 4G ቴክኖሎጂ ንምዕባይ ንዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ተተሊሙ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ይካየድ ዘሎ ስራሕ ንዝነበረ ኔትወርክ ብምንቃል ንሓድሽ ምትካል ብምዃኑ ሽግራት ከጋጥም ይእኽል እዩ ኢሎም።

ብናይ ቻይና ዜድ ቲ ኢን ህዋዌ ኩን ኩባኒያታት ዝካየድ ዘሎ እዚ ናይ 1.6 ቢሊዮን ዶላር ናይ ሞባይል ኔትዌትክ ምስፍሕፋሕ ፕሮጀክት ብህፁፅን ዕዉት ብዝኾነ ኣገባብን ንኽዛዘም ዝተፈላለዩ ኣካላት እናተረባረቡ ምዃኖም ናይ ኢትዮ-ቴሌኮም ኮርፖሬት ኮምኒኬሽንስ ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ ኣብድራሂም ኣሕመድ ገሊፆም።
XS
SM
MD
LG