ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቴለኮም ኢትዮጵያ ብርክታት ክሸይጥ ምዃኑ ኣመልኪቱ


ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍረሂወት ታምሩ
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍረሂወት ታምሩ

ብመንግስቲ ዝውነን ቴለኮም ኢትዮጵያ፡ ንሓደ ብርኪ ብ300 ብር (ማለት 2.54 ዶላር ኣመሪካ)፡ ክሳብ 100 ሚልዮን ብርክታት ክሸይጥ ምዃኑ ዋና ኣካያዲት ስራሕ እቲ ትካል ፍረሂወት ታምሩ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሓቢራ።

ቴለኮም ኢትዮጵያ ብርክታት ናብ ህዝቢ ዝሸጠሉ ዘሎ ኣካል’ቲ እታ ሃገር እትወስዶ ዘላ ናብ ብሕታውነት ዝደፍእ ፖሊሲታት ምዃኑ ሮይተርስ ይጠቅስ። “እዚ ዓቢ ዝላ’ዩ፡” ክብል ንውሳነ እቲ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊጹ።

ብመሰረት መግለጺ ዋና ኣካያዲት ስራሕ፡ 10% ናይቲ ብርክታት ንዜጋታት ኢትዮጵያ ክሽየጥ’ዩ። ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ ኣብ ዝቕጽል እብረ ድማ ክሳብ 45% ብርክታት እቲ ትካል ንናይ ደገ ኣወፍርቲ ክሽየጥ ምዃኑ ሮይተርስ ይጽብጽብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG