ኣባል ኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ዝዀነት ጂን ሻሂን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዓርግ ዘሎ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዘለዋ ሻቕሎት ብምግላጽ፡ እቲ ወጥሪ ብልዝብን ዲፕሎማሲን ክዓርፍ ጸዊዓ። “ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕጂ ዝፍጠር ግጭት ንተወሳኺ ዞባዊ ቅልውላው ዝመርሕ’ዩ፡” ዝበለት እታ ኣባል ሰነት ኣመሪካ፡ ንስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ዘለዋ ድጋፍ’ውን ጠቒሳ።
በብእዋኑ ክሕርፍፍ ዝጸንሐ ዝምድና መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ሓደ ደረጃ ዓብዩ ናብ ምልልስ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ኣብ ባይታ ድማ ኣቐዲሙ ዘይጸንሐ ወታሃደራዊ ምንቅስቓሳትን ከም ዘሎ ነበርቲ ገለ ከባብታት ይሕብሩ።
ኣቐዲሙ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ሙላቱ ተሾመ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ፡ “ኤርትራ ንዂናት ትዳሎ ስለ ዘላ ማሕበረሰብ ዓለም ስጉምቲ ክወስድ፡” ኢሉ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ብ10 መጋቢት (ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ምዃኑ’ዩ) ምኽትል ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ The Africa Report “ትግራይ መዋግኢ ባይታ ኢትዮጵያን ኤርትራን ከትኸውን፡” ዝብል ኣርእስቲ ሓደ ርእይቶ ኣስፊሩ ነይሩ። ኣብ እዋኑ ንምጉታት ፕረዚደንት ነበር ሙላቱን ጀነራል ጀነራል ጻድቃን ኣትሪሩ ዝመለሰ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብቲ ጉዳይ ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ኣስፊሩ ኣሎ። “ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያን ስምምዕ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያን ዝዀነ ተገዳስነት የብላን፡” ዝበለ ሚኒስተር የማነ፡ ሃገሩ ንኣህጉራዊ ስምምዓት ብምኽባር “ንሰላምን ርግኣትን ዘለዋ ድሉውነት ምሉእ’ዩ፡” ክብል መጒቱ።
ቅጥዒ