ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልኣይ ዙር ልዝብ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ምጅማሩ ምንጭታት ገሊጾም


ኣዲስ ኣበባ
ኣዲስ ኣበባ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ንዘሎ ጎጭት ንምዕራፍ ሰላምን ህድኣትን ንምምፃእ ዝዓለመ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ዝካየድ ካልኣይ ዙር ልዝብ ትማሊ ሰሉስ 7 ሕዳር 2023 ኣብ ታንዛንያ ምጅማሩ ምንጭታት ንድምፂ ኣመሪካ ሓቢሮም። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዘይ ገለ ስምምዕ ዝተዛዘመ ዘተ ሰላም ንምቅፃል ብዝብል ተወከልቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ታንዛንያ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ንምጅማር'ቲ ዘተ ዝምልከት ዝሃብዎ ሓበሬታ እንተዘይሃለወ ንኽልቲኦም ወገናት ቅርበት ዘለዎም ኣካላት ከምዝበልዎ ግን ዘላቂ ናብ ዝኾነ ፍታሕ ንምብፃሕ ብኹሎም ወገናት ዝረአ ቆራፅነት ዝድነቅ ምዃኑ እዩ።

ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም መራሕቲ ተቃወምቲ ፓርቲታት ብወገኖም ክልቲኦም ናብ ስምምዕነት ክበፅሑ ኣበርቲዖም ክፅዕሩ ኣተሓሳሲቦም።

እዚ ልዝብ እቲ ቀዳማይ ዙር ዘተ ብዘይስምምዕ ድሕሪ ምዝዛሙ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣዋርሕ ፀኒሑ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ብኽልቲኦም ወገናት ዛጊት ይካየድ ብዛዕባ ዘሎ ዝርርብ ዝምልከት ሓበሬታ ኾነ ተሳተፍቲ ኣካላት ኣመልኪቱ እዚ ዜና ስጋብ ዝተዳለወሉ እዋን ዝተዋህበ መግለፂ የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG