ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፤ ካብ ሱዳን 3,500 ዜጋታት ተውጽእ


ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ብዘሎ ጎንጺ፡ ኢትዮጵያ 3,500 ዝበጽሑ ዜጋታታ ካብ ሱዳን ምውጻኣ ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳድር መለስ ኣለም ሎሚ ገሊጾም። ኣምባሳድር መለስ ኣብ መግለጺኦም፡ ሃገሮም ምስ ምቕጻል ጎንጺ፡ ኣብ ሱዳን ተቐርቂሮም ንዘለዉ ዜጋታት ምውጻእ ክትቅጽል ምዃና ኣፍሊጦም።

ወሃብ-ቃል ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣምባሳድር መለስ ኣለም ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝሃቡዎ መብርሂ፡ መንግስቲ ሓገዝ ከምዘየከፋፍል እንተኾነ ሓገዝ ኣብ ምብጻሕ ዝሰርሑ ኣካላት ግን ናይ ጸጥታ ቦታን ካልኦትን ኩነታት ከም ዘመዓራሪ ገሊጾም። እቶም ወሃብ-ቃል ወሲኾም ምስ ዝምልከቶም ኣካላትን ትካላት ግብረ-ሰናይን ብምትሕብባር እቲ ዝመጽእ ሓገዝ ኣብ መዓላኡ ንምብጻሕ ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም።

ኣብ ካልእ ምዕባለታት፡ ቻንሰለር ጀርመን ኦላፍ ሾልዝ፡ ንኢትዮጵያን ኬንያ ዝሓቘፈ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ንምግባር ሎሚ ኢትዮጵያ ኣትዮም። ብመሰረት ወጺኡ ዘሎ መደብ እቶም ቻንስለር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ፕረዚደንት ሳህለ-ወርቅን ተራኺቦም፡ ምስ ፕረዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከም ዝዝትዩ ተፈሊጡ ኣሎ።

ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎም ድምጾ ንምሕያል ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝጓዓዙ ዘለዉ ቻንስለር ሾልዝ፡ ንጉዳይ ዞባዊ ምትሕብባርን ጸጥታ፡ ለውጢ ክሊማን ጉዳይ ሱዳንን ኣመልኪቶም ምስ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ መሃማት ክዝትዩ ምዃኖም’ውን ካብ ቤት ጽሕፈቶም ዝተረኸበ ሓበሬታ የምልክት።

XS
SM
MD
LG